ኣብ ሽወደን ዝርከባ ተሽከርከርቲ ክጥቀማሉ ዝሓገያ ጎማታት ከምቲ ልሙድ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሚያዝያ ክቅየር እኳ እንተነበሮ ናብ ዕለት 30/04/2020 ከምተናወሐ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ሓቢሩ።ጎማታት መካይን ንምቅያር ብዙሓት ተገልገልቲ ናብ ገራጃት ብምምጻእ ነተን ጋራጃት ጻዕቂ ስራሕ ክፈጥሩለን ተኽእሎታት ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ ምትእኽኻብ ሰብ ነቲ ምልባዕ ናይ ቫይረስ ጠንቂ ስለ ዝኾነ ንዕኡ ንምውጋድ እዚ ስጉምቲ ተወሲዱ ክብል ኣብ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሓላፊ ዝኾነ ፤ ሃንስ ኖረን፤ ንመርበብ ሓበሬታ ሽወደን ሓቢሩ። ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ተገልጋሊ ጎማ መኪንኡ ንኽቅይር ክሳብ መወዳታ ግዜ ክጽበ ከምዘይብሉ ክርደኦ ይግባእ። ኣብ መወዳእታ ብዘጋጥም ጻዕቂ ስራሕ ናይ ገራጃት ኣገልግሎት ክይረክብ ተኽሎታት ክህሉ ስለዝኽእል።ማሕበር መቀያየሪ ኣቅሑ መካይን ብወገኑ ነዚ ውሳነ ብምድጋፍ እዚ ናይ ምንዋሕ ሓሳብ ቀዋሚ ክኸውን ኣዘኻኺሩ።
ሕግን ሕብረተሰብን
ኣብ ወርሓ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ፖሊስ ብዛዕባ ኣብ ራግስቨድ ዝተራእየት መኪና ሓበሬታ ምርካቦምን ብምክትታል ኣብታ መኪና 2.4...
መንግስቲ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ሃገራዊ ብድሆ ብዝምልከት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ሕጹጽ ኣኼባ...
ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ተግነል ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኲነታት ንሽወደን ምውሻብ ኣድላዪ ስጒምቲ ኣይኰነን ክብል...
ተቐማጦ ስቶክሆልም በዓል ፋሲካ ንምብዓል ናብ ጎትላንድ፣ኦረ፣ ኦላንድን ካሊኦት ከባብታት ሽወደን እንተ ድኣ መጺኦም፡ ልዕሊ ዓቕሚ ኣገልግሎት...
ናይ ውልቂ ይኹን ማሕበራዊ ጽምብላት ኣብ ዝግበሩ ኣጋጣሚታት ልዕሊ 50 ሰባት ክእከቡ ፍቑድ ከምዘይኮነ መንግስቲ ሽወደን ሎሚ...
ብዝሒ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ቫይረስ ክሮና ኣብ ሽወደን ዝሞቱ ሰባት ናብ 92 ክብ ከምዝበለን ብዝሒ ናይቶም ብክሮና...
ስትራቴጂ ምዕጋት ቫይረስ ኮሮና ሽወደን ብገሊኡ ናእዳ ብገሊኡ ምንጻግ ኣጋጢምዎ ተባሂሉ። ማዕከናት ዜና ጀርመን ስዱቱሽ ዘይቱንግ፥ ዲ...
ዳይረክተር ጥዕና ዞባ ስቶክሆልም ኤሪክሰን ኲሎም ናይ ሕክምና ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ሓገዞም ከበርክቱ ጸዊዑ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ...