ባትሪ መካይን ዘፍሪ ትካል ኖርዝቮልት ዓቢ ናይ ስራሕ ዕጽዋ ከምዘሎ ምግላጹ ተሓቢሩ፡፡ እቲ ኩባንያ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፥ ነቲ ቢዝነስ ፋይናንሳዊ ዳግመ ግምት ድሕሪ ምግላጹ፡ እዚ ተርእዮ ዘገርም ዘይምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እዚ ይዂንምበር ኣብ ሰሜን ሽወደን–ስከለፍትዮ–ኣብ ዝርከብ ትካል ኖርዝቮልት ዝተራእየ ምጉዳል ሰራሕተኛታት ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ከምዘገረሞም ሪፖርተር ፖል ኮኖሊ ኣብቲ ከባቢ ንእትርከብ ጋዜጣ “ኖራን” ሓቢሩ’ሎ።
“እቲ ትካል ምቁራጽ ስራሕ ክገብር ምዃኑ ምእዋጁ ክሳብ ክንድኡ ዝትገረመ ሰብ ኣይነበረን፥ ምግራም ፈጢሩ ዘሎ ስፍሓት ናይቲ ምቑራጽ ስራሕ እዩ” ክብል ኮኖሊ ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።
ኣፍራዪ ባትሪ ኖርዝቮልት፡ ወጻኢታት ንምንካይ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣስታት 25% ካብ ሓይሊ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ሽወደን ከባርር ምዃኑ ኣዊጁ’ሎ። ብሰንኪ እቲ ምቁራጽ ሰራሕተኛታት ዝኸፍአ ጉድኣት ዝበጽሖ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ከተማ ስከለፍትዮ ዝርከብ ፋብሪካ ባትሪኡ እዩ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኩባንያ ፒተር ካርልሰን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቶም ውሳነታት በዳህትን መረርትን እኳ እንተኾኑ፥ ግድነታውያን ምዃኖም ግን ጽሒፉ’ሎ። ሚኒስትሪ ቁጠባዊ ጉዳያትን ስራሕን ፊንላንድ ምስ መንግስታዊ መደብ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ (ኤንሲፒ) ብምስምማዕ ኣገልግሎት ውህደት ንምጽጋን ስራሕ ከምዝጀመረ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጡ። እቲ ጽገና ብመሰረቱ ዝያዳ ሓላፍነት ውህደት ናብ ባዕሎም ስደተኛታት ከሰጋግርን ኣብ መስርሕ ውህደት ዝያዳ ተሪር ግዴታታት ከተኣታቱን እዩ።
“ከም ኣካል ናይቲ ጽገና፡ እቲ ትኹረት ካብ መሰል መጻእቲ ናብቲ ኣብ ግዴታታትን ሓላፍነትን መጻእቲ ዘተኮረ ስርዓት ከም ዝስተኻኸል ክግበር’ዩ” ክብል እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።