ኩሎም ኣባላት ቦርድ ሰልፊ ዲሞክራት ሽወደን ኣብ ሶልቭስበሪ ካብ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ተገሊጹ። መራሒት ሰልፊ ዲሞክራትስ ኣብ ሶልቨስቦሪ ሉዊስ ኤሪክሰን፡ ውቀንዲ ደራኺ ምኽንያት ናይዚ ክስተት ውጽኢት ናይቲ ቅድሚ ዝመጽእ ሰነ ዝካየድ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተኻየደ ድኹም ውሽጣዊ ጎስጓስ ምዃኑ ትዛረብ። ብመሰረት ሓያሎ ጸብጻባት ጋዜጣታት ግን እቲ ክስተት ምስ ቅዲ ኣመራርሓ ኤሪክሰን ዝተሓሓዝ እዩ።