ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ንጉዳያት ናይቶም ብምኽንያት ጾታዊ ዝንባለኦም ወይ ጾታዊ መንነቶም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ኣመልኪቱ ኣወንታውን ኣሉታውን ጽልዋ ዘለዎም መልሲታት ምርምር የካይድ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ውጽኢት፡ ሓደ ሰብ ጾታዊ ዝንባለኡ ምስ ፈለጠ ድሕሪኡ ኣወንታዊ ተመኩሮታት እንተ ኣዘንትዩ፡ ዑቕባ ናይ ምርካቡ ዕድሉ ክጎድል ይኽእል እዩ። ኣዳላዊ ናይቲ መጽናዕቲ ቶማስ ዊማርክ፡ እዚ ተመኲሮ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ዓለምን ዝርከባ ትካላት ስደት ብዛዕባ ጾታዊ ዝንባለ ዘለወን ኣተራጒማ ዳግማይ ክሓስባሉ ከምዘለወን ዘርኢ እዩ ኢሉ’ሎ። 25 ዝዕድሜኡ መንእሰይ ኣብ ቦራስ ስዮቦ ብመጥቃዕቲ ጥይት ሞይቱ ተረኺቡ ክብል ፖሊስ ሓቢሩ። ኣፈኛ ፖሊስ ክርስቲያን ብራትጋርድ ንጋዜጣ “ኣፍቶንብላዴት” ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብቶም ደሚቕ ድምጺ ተዂሲ ከም ዝሰምዑ ዝገለጹ ሰባት ሓያሎ ጻውዒታት ከም ዝበጽሖም ሓቢሩ’ሎ። ትማሊ መባእታዊ መርመራ ቅትለት ዝተጀመረ ኮይኑ፥ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን