ብውሕዱ ኣርባዕተ ሆስፒታላት ሊባኖስ ብሰንኪ ደብዳብ እስራኤል ስራሕ ከምዘቋረጻ ብዓርቢ ክገልጻ እንከለዋ፡ ምስ ሕዝቦላህ ዝምድና ዘለዎ ትካል ጥዕና ድማ ኣብ ዝሓለፈ 72 ሰዓታት 11 ተሓጋገዝቲ ሓካይም ከምዝተቐትሉ ገሊጹ። እዚ ምዕጻው ኣርባዕተ ሆስፒታላት፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላትን ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕናን ዘካየደቶ ናይ ክልተ ሰሙን ደብዳብ ስዒቡ ዝመጸ ኮይኑ፡ ብውሕዱ 37 ትካላት ዓጽዩ ዓሰርተታት ሰራሕተኛታት ሕክምና ከምዝቐተለ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሕዝቦላህ ንወተሃደራዊ ዕላማታት ትጥቀመሉ ኣላ ኢሉ ዝጠርጠሮ ዝኾነት መኪና ክሃርም ምዃኑ ኣጠንቂቑ እዩ። ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ንዝቖሰሉ ሰላማውያን ሰባት ዝሕክማ ትካላት ጥዕና፡ ብቀጥታዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተሃርማ ሓቢሮም። ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከብ ዳይረክተር መንግስታዊ ሆስፒታል ማርጃዩን ዶክተር ሙነስ ካላኪሽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዓርቢ ኣብ መእተዊ መንገዲ እቲ ሆስፒታል ክልተ ኣምቡላንስ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣየር 7 ሓገዝቲ ሓካይም ድሕሪ ምቕታሉ፡ እቲ ሆስፒታል ብዓርቢ ክዕጾ ከም እተገደደ ገሊጹ።
ንሱ “እቶም ነርስታትን ሓካይምን ኣዝዮም እዮም ሰንቢዶም” ይብል ። “ከነህድኦምን ስራሕና ክንቅጽልን ፈቲንና፡ ግን ጨሪሱ ኣይተኻእለን።” ዳይረክተር ህጹጽ ረድኤት እቲ ሆስፒታል ዶክተር ሾሻና ማዝራኒ፡ እቲ ደብዳብ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ቅድሚት እቲ ህንጻ ኮፍ ኢላ ከምዝነበረት ትዝክር። ንሳ፡ ኣውያት ናይቶም ተሃሪሞም ናብተን ዝተበላሸዋ ኣምቡላንሳት ዝጎየዩ ፓራሜዲክስ ሰሚዓ፡፡ እንተኾነ ግን ስዒቡ ዝመጽእ ደብዳብ ፈሪሖም መሳርሕታ ኣብ ዘላቶ ክትጸንሕ ከምዝገበርዋ ገሊጻ። ሆስፒታል ማርጃዮን ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ብድሆ ከምዝጸንሐን፡ ካብቶም ስሩዓት 120 ሰራሕተኛታት ናይቲ ማእከል 20 ሓካይም ጥራይ ዝሓቖፈ ቀንዲ ጉጅለ ከምዝተረፈን ዶክተር ማዝራኒ ገሊጹ።
ነቲ ብዓርቢ ዝተገብረ ምዕጻው “ንዞባና ዘሕዝን” እዩ ኢላ’ላ።