ኣብ ሽወደን፡ መጻምድቲ ኣብታ ኣዕዚዞም ዝርእይዋ መዓልቲ ጋማኦም፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምእታዎምን ውጽኦምን ብሓባር
ኣብ መንገዲ ምዝዋር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝጸንሐ ባህሊ እዩ። እተኾነ ግና እታ መርዓት ብኣቦኣ እናተሰአየት ብ መተሓላልፎ
ናብ መርዓዊ ትወሃብ ዝብል ኣህጉራዊ ልምዲ ኣብ ሽወደን ከም ልምዲ ይተኣታቶ ምህ፡ኣዉ፥ እዚ ድማ ብጽልዋ ገለ ተፈተውቲ
ፊልምታት ሆሊዉድ ምዃኑ ኣዘራራቢ ጌሩዎ’ሎ።
ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ሕጂ ጾታዊ ማዕርነት ንምድንፋዕ ኣብ ባይቶ ቤተክርስትያን ሽወደን ኣብ ዝገብርዎ ጻዕርታት፡ ነቲ
መርዓት ብኣቦ ናብ መርዓዊ ምሃብ ደው ዘብል መምርሒታት ዘቐምጥ እማመ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ
ደሞክራሲ ዝኾነት ሳራ ዋልደንፎርስ ቤተ ክርስቲያን ሽወደን ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መሻርኽቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ
ምስራሕን ምጽላውን ትሰርሕ ካህን እያ። እዚ መርዓት ብ ኣቦኣ ናብ መርዓዊ ክትወሃብ ዝግበር ልምዲ ጾታዊ ማዕርነት ናብ ግጉይ
ኣንፈት ዝወስድ ስጉምቲ እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ። ቶርብዮርን ኣሮንሰን ካብ ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራሲ ግን ነቲ እማመ
ብምንቃፍ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ብኸመይ ከም ዝካየድ ምውሳን ናይቶም መጻምድትን ባራኺኦም መጋቢ (ፓስተር) ክኸውን ከም
ዘለዎ ምጒቶም ኣቕሪቦም ኣለዉ።