ኣብ ደቡብ ሽወደን–ስካነ– ዝርከብ ሃብታም መሬት ሕርሻ ንፓርክታት ጸሓያዊ ጸዓት ክውዕል ከምዝግደድ ካብ ከባቢ
ምምሕዳር ቦርድ ኣውራጃ ዝወጸ ውሽጣዊ ሰነድ ከምዘመልክት ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ካልእ መሬት ምጥቃም ኣብ
ስኮነ ንመጻኢ ድሌታት ካብ ነዳዲ ዝርከብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምምላእ እኹል ከምዘይኮነ እዩ ዝሕሰብ፡፡ እዚ ድማ ነቲ
ሕብረተሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስግግር እዩ ክብል ቦርድ እቲ ኣውራጃ ኣመልኪቱ’ሎ። ስካን ኣብታ ሃገር ዝበለጸ ሕርሻዊ መሬት ዘለዋ
ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምምሕዳራዊ ቦርድ እታ ኣውራጃ ንሕርሻ ዝውዕል መሬት ንምሕላው ብዝብል ምኽንያት ንሓያሎ
ሕቶታት ሶላር ፓርክ ክነጽግ ጸኒሑ’ሎ። ኣብ ሽወደን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ 2.3% ደይቡ ክብል ንውጽኢት ወለድ ኣብ
ግምት ዘየእተወ መለክዒ CPIF ይሕብር፡፡ ምስቲ ዋጋታት ኣባይቲ 2% ዝነበረሉ ወርሒ መጋቢት ክነጻጸር እንከሎ ንእሽቶ ወሰኽ
እዩ። “እዚ ብዓቢኡ ምስ ትጽቢት ዝሰማማዕ እዩ፣ ብመጠኑ ትሕቲ ዋላ” ይብል ወሃቢ ርእይቶ ቁጠባ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን
ክርስቲያን ኦስትሮም።