ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ብውሕዱ 40 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ እስራኤል ኣብ ዝተመደበ ሰብኣዊ ዞባ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝቖሰሉ ብሓማስ ዝመሓደር በዓል መዚ ሲቪላዊ ምክልኻል ኣፍሊጡ። ሰራዊት እስራኤል፡ ነፈርቱ ኣብ ካን ዩኒስ ዝርከብ ናይ ተዋጋእቲ ሓማስ ዝኾነ ማእከል ስርሒታት ምጥቅዐን፡ ንሰላማውያን ሰባት ናይ ምጉዳእ ሓደጋ ንምቅላል ስጉምትታት ከምዝወሰደን ገሊጹ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዝበልዎ፥ እዚ ሰለስተ መጥቃዕቲታት ኣብ ምዕራብ ከተማ ካን ዩኒስ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኣልማዋሲ ንዝተመዛበሉ ሰባት ዘዕቁቡ ቴንዳታት ዒላማ ብምግባር ከምዘስዓበ ገሊጾም። ዳይረክተር ስርሒታት በዓል መዚ ሲቪል ምክልኻል ሓማስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ በቲ መጥቃዕቲ “ኣርብዓ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 60 ድማ ምቚሳሎም፡ ብዙሓት ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተዓቚቦም ምህላዎም” ገሊጹ’ሎ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ከባቢ ኣልማዋሲ በቲ ዝተፈጸመ ዓበይቲ ፍንጀራታት ዓብዪ ሃልሃልታ ናብ ሰማይ ክለዓል ከምዝረኣዩን ሓቢሮም። “እቶም መጥቃዕቲታት ኣድማታት 7 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎም ሰለስተ ጕድጓድ ፈጢሮም፥ ልዕሊ 20 ቴንዳታት ከኣ ቀቢሮም እዮም” ይብል ሚስተር ማሕሙድ።
ኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ “ኣብ ካን ዩኒስ ኣብ ናይ ትእዛዝን ቁጽጽርን ኮምፕሌክስ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ወሰንቲ ግብረሽበራዊ ትካል ሓማስ” ከምዘጥቅዐ ገሊጹ’ሎ።