ኣብ ስቶክሆልም ብሉይ ከተማ ዝርከባ ትካላት ንግድ ኣንጻር ህሉው ምዕባለታት ይኸዳ ኣለዋ ተባሂሉ፡፡ ኣብዚ ሓጋይ ቤት ጽሕፈት ሓበሬታ በጻሕቲ ከፊተን ኣለዋ፡፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ዘካየደ ኣገባብ ብ ኦንላይን ሓበሬታ ተተኪኡ ኣብ ዘለወሉ እዋን ከምዚ ምግባረን ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ።
”ኣብ ደገ ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ፡ ብልክዕ ዝደለኻዮ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ” ትብል ኣደ መንበር ናይቲ ከባቢ ማሕበር ንግዲ ካታሪና ማልምግረን። እቲ ሓሳብ በጻሕቲ ነቲ ድሮ ኣብ ኢንተርነት ዝረኸብዎ ሓበሬታ ክፍትሹ ምሕጋዝን ኣብ መንገዲ ገለ ተወሳኺ ምኽርታት ምሃብን እዩ
ዝሑል ኲነታት ኣየር፡ ስነ ህንጻ ጣንታውያን ከተማ ስቶክሆልምን ገጠራት ሽወደንን ገለ ካብቶም ሰባት ዕረፍቶም ኣብ ሽወደን ከሕልፉ ዝሰሓብዎም ነገራት ምኹኖም ተገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትካላት ንግዲ ውሽጢ ዓዲ፡ ሓጋይ 2024 ንጽላት ኣጋይሽ ምቕባል ጽቡቕ ክኸውን ተስፋ ምሕዳሮም ተዛሪቦም።
”ኣብዚ ዝሑል ሓጋይ ከም ዝህልወና ንፈልጥ ኔርና፡፡ ናብ ሰሜን ደይብና ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ ስቶክሆልም ንጅምረላ ልክዕ ቦታ ክትከውን እያ ኢልና ሓሲብና” ይብል ኣርኖድ፡ ካብ ሊዮን ፈረንሳ