ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰንኪ ምጥቃም ናይትረስ ኦክሳይድ ናብ ማእከላት ክንክን ዝውሰዱ መንእሰያት ቁጽሮም ከምዝወሰኸ ምምጽኡ መደብ ካሊበር ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ኣብዚ እዋን’ዚ ናይትረስ ኦክሳይድ ወይ ዘስሕቕ ጋዝ ምዕዳግን ንምሻጥን ሕጋዊ እኳ እንተኾነ ንኸይጥቀሙሉ ዝድንግግ ሕጊ ንኽወጽእ ኣብ ምቅርራብ ይርከብ። ሶላር ፓነላት ኣብ ዘለዎ ቦታ ኣብ እዋን ባርዕ ሓዊ ህጹጽ ኣገልግሎት ድሕነት ክውስኹ ተባሂሎም ዝተነብሩ ሰርኪዩት ብረከርስ፡ ብግቡእ እንተዘይሰሪሖም ኣሉታዊ ውጽኢት ክህልዎም ከምዝኽእል ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ኦስተርሱንድ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ሱፍ ዝተኸስተ ባርዕ ብሰንኪ ሓደ ካብዞም ሰርኪዩት ብረከር ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ ቫነርስቦሪ ኣብ ዝርከብ ኣባይቲ ድሕሪ ዘጋጠመ ባርዕ ድማ ብዙሓት ክቕየሩ ተጌሮም እዮም። ካብ ዜናታት ሃገራት ኖርዲክ ከይወጻእና—
ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ፔተሪ ኦርፖን ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ስቱብን ምሉእ ሓድነት ምህላዉ ድሕሪ ምእዋጆም ቀለም ከይነቐጸ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ጥራይ፡ ኣብ መርገጺ ፖሊሲ ወጻኢ መንግስቲ ፊንላንድ ገለ ኣበራት ምህላዉ ብዲሞክራቲ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣቃሊዑ። ሰልፊ ዲሞክራቲ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሚኒስተር ሕርሻን ኣግራብን ሳሪ ኤሳያህ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ፕረዚደንትን ሚኒስተራት ኮሚቴ ፖሊሲ ወጻኢን ጸጥታን (TP-UTVA) ነቲ እስርኤል ኣብ መሬት ፍልስጤም እተካይዶ ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ደገፉ ንኽእውጅ ዝወሰዶ ውሳነ ዝቃወም ርእይቶ ምሃባ ኣፍሊጡ። “ሎሚ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪትና ኣብ ዝገበርናዮ ዘተ፥ ምስቲ ውሳነ ከም ዘይሰማማዕን ገሊጸ እየ” ክትብል ንደሞክራቲ ኣረጋጊጻ’ላ።