ክልተ ሰባት ብኣልትራላይት ነፋሪት እናበረሩ፡ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ኦፕዳል ኣብቲ ጽዑቕ ጽርግያ E6 ዝርከብ ኣረጊት ብዕንጸይቲ እተሰርሐ ኣጉዶ ተጋጭዮም። ሓደ ካብኣቶም ካብቲ ስብርባር ተሳሒቡ ናብ ሆስፒታል እናተወስደ ኣብ መንገዲ ህይወቱ ምሕላፋ ተፈሊጡ። ፖሊስ ካልኣይ ሰብኣይ ኣብቲ ቦታ ከምዝሞተ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። እታ ነፋሪት ድሕሪ እቲ ሓደጋ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ተባሪዓ እያ። ፖሊስ ኣብ መጀመርታ ሓደ ሰብ ጥራይ ኣብታ ነፋሪት ከምዝነበረ ሓቢሩ እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሰዓታት ግን ኣብቲ ሞት ዘስዓበ ሓደጋ ክልተ ሰባት ከምዝተሳተፉ ኣረጋጊጾም እዮም። ፈነወ መንግስቲ ኤን.ኣር.ኬ ከም ዝጸብጸቦ፡ ሰበስልጣን ቦርድ መርመራ ሓደጋ ኖርወይ ናብታ ኣብ ክረምቲ ህቡብ ቦታ ስኪንግ ተባሂላ እትፍለጥን ኣብ ሓጋይ’ውን ዝጥቀሙላ ናይ ዕረፍቲ ገዛውቲ ዝመልኣን ኦፕዳል እዮም ዝኸዱ ኔሮም። ፖሊስ ብተወሳኺ በቲ ስብርባር ኣቢሎም ንምርመራ ገበነኛታት ቴክኒሻናት ከምዝተጸውዑ ሓቢሮም። እቲ ንመላእ ሃገረ ኖርወይ ዝኸይድ E6 ጽርግያ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ቅጽበት ተዓጽዩ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ባርዕ ምስ ጠፍአን እቲ ከባቢ ውሑስ እዩ ምስ ተባህለን ከባቢ ሰዓት 12፡30 ድሕሪ ቀትሪ ግን ዳግማይ ተኸፊቱ እዩ።
ዕጡቓትን ንቡር ክዳን ዝለበሱን ፖሊስ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ ኦስሎ ዝተኻየደ ጽምብል “ፕራይድ ግብረሰዶማውያን” ምውፋሮም ተሓቢሩ። ተወሳኺ ሓለዋ ክግበር ዘይጸልእ እኳ እንተነበረ ንሳቶም ከይፍለጡ ጥንቃቐታት ዝገበሩ ምዃኖም ተፈሊጡ። ዝሓለፈ ባሕቲ ሓምልር ጎደናታት ርእሰ ከተማ ኖርወይ ሰልፊን ድግስን ተኻዪዱሎም ኣሎ። ዕጡቓት ፖሊስ ኣብ ናሕስታት ተቐሚጦም ምስ’ቲ ህዝቢ ተሓዋዊሶም ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል ፕራይድ ተሓዋዊሶም ስርሖም ኣካዪዶም እዮም–ብመሰረት ጸብጻብ “ኖርወይ ቱደይ”።