ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፥ ዩክሬን ኣብ ሩስያ ንዝርከቡ ዕላማታት ንምውቃዕ ብኣመሪካ ዝቐርብ ኣጽዋር ክትጥቀም ፍቓድ
ሂቡዋ'ኳ እንተነበረ፥ እዚ ንከባቢ ዞባ ካርኪቭ ጥራይ ምዃኑ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ገሊጾም። ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዞባ ካርኪቭ
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዓወታት ኣመዝጊቦም ኣለው። ብዓርቢ ሩስያ ኣብ ከባቢ ከተማ ካርኪቭ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ
ብዝተፈጸመ ደብዳብ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 16 ድማ ምቚሳሎም ሰብመዚ ዩክሬን ገሊጾም። እቲ ኣመሪካዊ በዓል መዚ
"ኣብ ውሽጢ ሩስያ ንኣጠቓቕማ ስርዓት ታክቲካዊ ሚሳይል ሰራዊት [ATACMS] ወይ መጥቃዕቲ ነዊሕ ርሕቀት ንምኽልካል
ዝነበረና ፖሊሲ ኣይተቐየረን" ኢሉ’ሎ።
መሻርኽቲ ቢቢሲ ኣሜሪካ ዝኾነ ሲቢኤስ፡ እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ንነፈርቲ ሩስያ ምጥቃዕ ዘጠቓልል ድዩ ዝብል ሕቶ ምስተሓተተት፡
ሓደ በዓልመዚ፡ "ከተጥቅዖም ትመጽእ ነፋሪት ሩስያ ኣብ ልዕሊ መሬት ሩስያ እናሃለወት ከዕንዉዋ ከም ዘይክእሉ [ንዩክሬን]
ነጊርናዮም ኣይንፈልጥን ኢና" ኢሉ ። ዋይት ሃውስን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኣብዚ ጒዳይ ዝኾነ ይኹን ህጹጽ ርእይቶ ኣይሃቡን።
ዓባይ ብሪጣንያ ኣቐዲማ፡ ዩክሬን ብምዕራባውያን ሃገራት ዝቐርብ ኣጽዋር ብኸመይ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ዝምልከት
ገደባት ንምፍኳስ ክትዛተ ቅርብቲ ምዃና ኣመልኪታ ነይራ። ከምዚ ዓይነት ምዕባለ ነቲ ግጭት ዝያዳ ከጋድዶ ይኽእል እዩ ዝብል
ስክፍታታት እኳ እንተሃለወ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓያሎ መራሕቲ ኤውሮጳ እውን ኣብ ኣጠቓቕማ ከምዚ ዓይነት ኣጽዋር ዝነበረ
ገደብ ክፍታሕ ጸዊዖም ኣለዉ።
ኪየቭ ተወሳኺ ኣጽዋር ምዕራባውያን ናብቲ ግንባር ክበጽሕ ኣብ እትጽበየሉ ዘላ እዋን፥ ሓይልታት ሩስያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ
መስኮት ዕድል ተጠቒሞም ኣብ ካርኪቭ ናብ መሬት ዩክሬን ዘሊቖም ዝደፍኡ ይመስሉ። ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ሩስያ ኣብ
ከተማ ካርኪቭ ዝርከብ ሱፐርማርኬት ብኽልተ ግላይድ ቦምብ ድሕሪ ምውቃዖም፥ ብውሕዱ 12 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት
ዓሰርተታት ድማ ቆሲሎም እዮም—ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ።