ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ነቲ ምድንባር ዘጋጠሞ ጎስጓስ ዳግመ ምርጫ ንምቁራጽ ዝወሰዶ ታሪኻዊ ውሳነ ንምግላጽ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን፡ “ሽግ ፖለቲካ ናብ ሓድሽ ወለዶ እነመሓላልፈሉ” ግዜ በጺሕና ኣለና ብምባል ንኣመሪካውያን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። 81 ዝዕድሜኡ ባይደን ሕጹይነቱ ከምዝሰሓበን ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ካማላ ሃሪስ ንብጾቶም ዲሞክራትን ሃገርን ንምጥርናፍ ደገፉ ከም ዝሃባን ገሊጹ። እቲ ናይ ዋይት ሃውስ መደረ፡ ብ21 ሓምለ ካብቲ ውድድር ካብ ዝወጽእ ንደሓር ንፈለማ እዋን ኣብ ህዝቢ ምቕራቡ ዘመልክት ኮይኑ፡ ካማላ ሃሪስ ንሕጹይነት ናይቲ ሰልፊ ክትወዳደር መንገዲ ጸሪጉ’ሎ።
ሕጹይ ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ኣብ ሓደ ሰልፊ ንካሚላ ሃሪስ “ስሕውቲን ጥርፍቲን ጸጋማዊት እያ ክብል ተሰሚዑ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ዳህሳስ ርእይቶ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕን ካማላ ሃሪስን ርሱን ውድድር ክህሉ ግምታት ኣሎ። ይደን ትማሊ ረቡዕ ምሸት ካብ ቤት ጽሕፈት ኦቫል ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ን11 ደቓይቕ ተዛሪቡ’ሎ። በዓልቲ ቤቱ ጂል፡ ወዱ ሃንተርን ጓሉ ኣሽሊን ኣብቲ ክፍሊ ምስ ገለ ወሰንቲ ሰራሕተኛታት ዋይት ሃውስ ተዛሪቦም ኣለዉ።
“ነዚ ቤት ጽሕፈት ኣኽቢረዮ እየ–ግና ሃገረይ ትዓብየኒ” ኢሉ
ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣብ ህዝባዊ ስልጣን ዝጸንሐ ባይደን ወሲኹ፡ “እቲ ዝበለጸ መንገዲ ንቕድሚት ሽግ ናብ ሓድሽ ወለዶ ምሕላፍ’ዩ ኢለ ወሲነ ኣለኹ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። እቲ ፕረዚደንት ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ ስልጣኑ ቅድሚ ምዝዛሙ “ንህዝቢ ኣሜሪካ ነቲ ስራሕ ክውድኦ” ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ፡፡
ንሱ ን 59 ዝዕድሜኣ ሃሪስ ኣብቲ ኣጋጣሚ “ምኩርቲ፡ ሓያልን፡ ብቕዕቲን” መሻርኽቲ ክብል ናእዳኡ ገሊጹላ’ሎ።