ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኢንተርነት ዝሳወር ጽልኢ እናወሰኸ መጺኡ ክብል ዓመታዊ ጸብጻብ ፋውንዴሽን ኢንተርኔት ሽወደን
“ሽወደናውያንን ኢንተርነትን”፣ ትማሊ ሰኑይ ኣቃሊዑ። ካብ 12 ክሳብ 19 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ካብ ዝኾነ ዕድመ ንላዕሊ
ብኢንተርነት ብዝሳወር ጽልኢ፡ ግህሰት መሰልን ወይ ኣሉታዊ ርእይቶታት ከም ዝጽለዉ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣብዚ ዓመት ጥራይ
ኣብ ክክሊ እዚ ዕድመ ካብ ዘለዉ መንእሰያት እቶም 20% ዝኾኑ ብኦንላይን ሞራሎም ዝትንክፍ ጸርፍን ናይ ጽልኢ መልእኽቲን
ከም ዝበጽሖም እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ማንስ ጆናሶን ኣብ ሽወደናዊ ፋውንዴሽን ኢንተርነት ክኢላ ኢንተርነት እዩ፡፡ ንሱ፥ ሰባት ብ
ኦንላይንን ፊተፊትን ዝተፈላለየ ባህርያት ምርኣይ ልሙድ ይገብርዎ ኣለዉ። እዞም ብ ኦንላይን ኣዝዩ መርዛም ቃላትን ጸርፍታትን
ዝጥቀሙ ሰባት ምስቶም ከምኡ ዓይነት ቃላት ዝውርውሩሎም ሰባት ፊተፊት እንክራኸቡ ነቲ ኣገባብ ኣይጥቀሙሉን እዮም። እቲ
ሽግር ድማ እዚ እዩ። ቃላት ጽልዋ ከም ዘለዎም ሰባት ክግንዘቡ ኣለዎም” ድማ ይብል።
ብኦንላይን ዘይግቡእ ቃላት ብምጥቃም ሞራል ካልኦት ዝትንክፉ ሰባት ናብ ሕጊ ጥርዓን ክግበረሎምን ክቕጽዑን ከም ዝግባእ ከኣ
ኣስሚሩሉ’ሎ።