ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ምርኢት ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ሽወደን እዚ ዓመት፡ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ተኻዪዱ። እዚ ምርኢት ስነ-ጥበብ “ኣፎርዳብል ስቶክሆልም” ዝተሰምየ ኮይኑ፥ ሽመትቲን በጻሕቲን ካብ ትሽዓተ ሚእቲ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ማለት ናይ 90 ሽሕ ክሮና ስርሓት ክገዝኡ ክኽእሉ እዮም። “ኣፎርዳብል” ቅድሚ 25 ዓመት ኣብ ለንደን ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ዕላማኡ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝሽየጥ ስርሓት ስነ-ጥበብ ምቕራብ፡ ዘመናዊ ስነ-ጥበብ ንኹሉ ሰብ ተበጻሒ ምግባርን እዩ። ይዂንምበር ድሕሪ ርብዒ ዘመን እቲ ኢንዱስትሪ ኣብዚ ጒዳይ ኣተሓሳስባኡ ቐይሩ ድዩ? ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ’ሎ።
“ኣብዚ ምቅይያር ከምዝነበረ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ኲሉ ዓይነት ቢዝነስ እቲ ብሉይ ልምድታት ምስ ሓደስቲ ክራጸሙ ከምኡ’ውን ጽልእን ከሎ ጌና ምፍራድን ኣሎ። ኣብዚ ብርትዓዊ ዋጋ ዝሽይጥ ምርኢት ስነ-ጥበብ ግና ከምኡ ዝበሃል የለን። ንሕና ሰባት ብዛዕባ ኣርት ኣፍልጦኦም ክብ ክብል ንምሕጋዝ ኢናንሰርሕ” ክብል ዳይረክተር ምርኢት ስነ-ጥበብ ስቶክሆልም ኣፎርዳብል ካርል ዊልሄም ሂርሽ ገሊጹ’ሎ።
ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ማልሞ ካብ ዓሌት ጸለምቲ ኴንካ ኣብ ሽወደን ምንባር ዝህሉ ተአኲሮ ዘማእከለ ሓድሽ ባህላዊ ምርኢት ተኸፊቱ። ዕላማ እዚ ምርኢት ውክልና ጸለምቲ ሽወደናውያን ኣብ ባህላዊ መዳይ ብቓላቶም ክገልጹ ዘሎ ባይታ ንምስፋሕ እዩ። ኣፍሮ ሽወደናውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ስእልታትን ዛንታታትን ናብቲ ማህደር ከበርክቱ፡ ድሕሪኡ ድማ ንመደረታት፡ ዓውደ መጽናዕትን ካልእን ክጥቀሙሉ እዮም።
“እዚ ሓሳብ ዝመጸለይ ንጸለምቲ ዝኸውን ባህላዊ ትካላት ዘይምህላዉ ምስ ኣስተብሃልኩን ኣብ ዙርያ ጸሊምነትን ጸረ ዓሌትነትን ዝግበር ነቐፌታዊ ዘተን እዩ” ክትብል መስራቲት መድረኽ ጸለምቲ ሽወደን ጆነል ትዉም ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።