እስራኤል ዝቐጸለቶ መጥቃዕቲ ኣየር ድሮ ኣብ መላእ ሊባኖስ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝበጽሕ ሰባት ካብ ኣባይቶም ክዘናበሉ ምግዳዱ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነጂብ ሚኮቲ ገሊጹ። ንሱ “ኣብ ታሪኽና እቲ ዝዓበየ ናይ ምምዝባል ኣጋጢሙ ክኸውን ዝኽእል’ዩ” ኢሉ’ሎ። ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ በቲ ናይ ሰንበት መጥቃዕቲ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ’ሎ። እስራኤል ንመራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ ኣብ ቤሩት ድሕሪ ምቕታላ ክልተ መዓልታት ጸኒሑ እዩ እዚ መጥቃዕቲ ዝካየድ ዘሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሕዝቦላህ ተወሳኺ ሮኬታት ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ምትኳሱ ተፈሊጡ።
ብዘይካዚ እስራኤል ኣብ የመን ብኢራን ንዝድገፍ ምንቅስቓስ ሑቲ ኣብ ዝትመርጹ ዝበለቶም ዕላማታት “ሰፊሕ” መጥቃዕቲ ኣየር ከምዘካየደት ገሊጻ’ላ። ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዓሊ ካራኪን ሓደ ላዕለዋይ ሃይማኖታኢ መራሒ ሸኽ ናቢል ቃውክን እውን ኣብቲ ናይ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተቐትሉ ሂዝቦላህ ብሰንበት ኣረጋጊጹ። ወተሃደራዊ ሓላፊ ስታፍ እስራኤል ሄርዚ ሃለቪ፡ “ንሂዝቦላህ ኣበርቲዕና ክንዘብጦ ኢና” ኢሉ’ሎ። እስራኤል ዝሓለፈ ሶኑይ ኣጋ ምሸት ኣብ ማእከላይ ቤሩት ከባቢ ኮላ ዘካየደቶ ካልእ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ንሓርነት ፍልስጤም (PFLP) ከምዝቐተሉ እቲ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ እዩ። PFLP ኣባል ውድብ ሓርነት ፍልስጤም ኮይኑ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ወግዓዊ ወኪል ፍልስጤማውያን ኣፍልጦ ዝረኸበ ጥምረት እዩ። እቲ ጉጅለ ብኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ግብረሽበራዊ ትካል’ውን ይቑጸር እዩ።