ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተገብረ ኲናት ንቃልሲ ትግራይ ንኻልኣይ ግዜኡ ዝመርሕ ዘሎ ጀንራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዉ ኣዝዮም ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎም ወተሃደራውያን ስትራቴጂስት ከም ዝጽብጸብ ተገሊጹ።
68 ዝዕድሜኡ ጻድቃን ብ 1976 ካብ ዪኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝከተተሎ ዝነበረ ናይ ባዮሎጂ ዲግሪ ብምግዳፍ ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሰሊፉ። ኣብቲ እዋን ውድብ ህወሓት በማኢት ዝቚጸሩ ኣባላት ጥራይ እዮም ኔሮሟ። ኣብ እምባታት ትግራይ ብምዕራድ ድማ ኣንጻር’ቲ ብሕብረት ሶቪዬት ገዚፍ ሓገዝ ዝግበረሉ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ንዝነበረ ቃልሲ ኣብ ምምራሕ ዓብዪ ኣበርክቶ ጌሩ እዩ። ጻድቃን ብዝነበሮ ልዑል ናይ ትንተና፥ ውድባዉ ጥበብን እምነት ተቓለስቲ ናይ ምርካብ ክእለትን ኣብ 1991 ክሳብ 100 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ናይ ዘፍረየ ህወሓት ዝተኸብረ ስርሒታዊ መራሒ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።
ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ደርግ እውን ብማዕረግ ጀነራል ሓለቓ ስታፍ ብምኳን ኣብ ምህናጽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓብዪ ኣበርክቶ ከም ዝገብረ ኣሌክስ ደ ዋል ይሕብር።
ካብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ውግኣ ዝመርሐ ጀነራል ጻድቃን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ንዓለም ዘደነቐ ዓወት ብምምዝጋብ ነቲ ብልፍንታዊ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝቖመ ሰራዊት ብምስዓር ንርእሰ ከተማ መቐለ ሓዊስካ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ሓራ ክወጻ ጌሩ እዩ።
ጻድቃን ብዝመርሖን ሰራዊት ትግራይ ብዝወሰዶን ተበግሶ 8 ክፍላተ ሰራዊት ልፍንታዊ ሓይሊ (ማለት ፍርቂ ካብ ጠቕላላ ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ) ክድምሰስ እንከሎ ዝበዝሓ ከተማታት ትግራይ ኣብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ኣትየን ኣለዋ። ብዘይካዚ ኣዝዩ ብዙሕ ኣጽዋርን ተሽከርከርቲን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ኣትዩ’ሎ።
ሕጂ ንሰራዊት ትግራት ዝገጥሞ ሓይሊ እቲ ዝሓሸ ቊመና ኣለዎ ዝበሃልን ናብ ዶብ ኤርትራ ዝተጸግዐን ሰራዊት ኤርትራ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ዘሎ ስግኣት ከም ዘለዎ ብምእማን ምናልባት ምስ ኤርትራ ኲናት ክገጥም ከም ዝኽእል ኣሌክስ ደ ዋል ኣብ ዘቕረብክ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።