ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመልኪቱ ተኹሲ ደው ምባል ዝድግፍ ውጥን ኣመሪካ ኣጽዲቑ። እቲ እማመ “ምሉእ ተኹሲ ደው ምባል”፡ ብሓማስ ዝተታሕዙ ምሩኻት ምፍታሕ፡ ሬሳታት ዝሞቱ ጅሆታት ምምላስን ፍልስጤማውያን እሱራት ንምልውዋጥን ቅድመ ኩነት ዘቐምጥ እዩ። ካብቶም 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ እቶም 14 ነቲ ብኣሜሪካ ዝተነድፈ ውሳነ ደጊፎም ድምጾም ሂቦም። ሩስያ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢባ’ላ። እቲ ውሳነ እስራኤል ነቲ ናይ ተኹሲ ደው ምባል እማመ ከምዝተቐበለቶ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ሓማስ እውን ንዕኡ ክሰማማዕ ለበዋ ቀሪቡ’ሎ።
ባይቶ ጸጥታ ምስ ብርክት ዝበሉ መንግስታት ከምኡ’ውን ምስ ጉጅለ G7 ናይተን ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም ብምዃን ነቲ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ብ 31 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ዝተገልጸ ሰለስተ ክፋላት ዘለዎ ውጥን ክድግፍ እዩ።