ካብ ዝሓለፈ ሓጋይ ጀሚሩ፡ ፖሊስ ሽወደን፡ ብዘይ ዝኾነ ጭቡጥ ጥርጣረ ገበን፡ ናብ ዶብ ሽወደን ኣብ ዝቐረቡ ከባቢታት፡ ኣካላት ሰባትን መካይንን ክፍትሽ ምጽንሑ ተፈሊጡ። በዚ ድማ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባትን መካይንን ተፍቲሽ ተጌሩሉም ኣሎ። መብዛሕትኡ ተፍቲሽ ኣብ ዶብ ሽወደንን ዴንማርክን ኣብ ዝርከብ ድልድል ኦረሱንድ እዩ ዝፍጸም ዘሎ። ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ሓላፊት ኣሃዱ ምቊጽጻር ዶባት ፖሊስ ኤልሳቤጥ ኒልሰን፡ ስርቂን ምትላልን ደው ንምባል ከምኡ’ውን ገንዘብ ካብ ሽወደን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኸመይ ይግዕዝ ምህላዉ ክከታተሉን ከም ዝደልዩ ገሊጻ’ላ።