ኣብ ባይቶ ዘለዉ ኣርባዕተ ተቓወምቲ ውድባት፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝወጸ ባጀት ቀውዒ ‘ንሃብታማት ምጉዳል ግብሪ’ ዝገብር፥ ኣብ
ኣሻቓሊ ኩነታት ክሊማን ድሕነትን ግን ሸለልታ ዘርኣየ እዩ ብምባል ብትሪ ነቒፎሞ። ካብ ሰልፊ ዓቃባውያን ሞደራትና ዝኾነት
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤልሳቤጥ ስቫንተሰን፥ መንግስቲ ኣብ ሃለኽቲ ዝፈስስ ወጻኢታት ንምዕባይ፡ ክፍሊታት ግብሪ ካብ 1980
ንደሓር ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንምንካይ ዝሓዞ መደባት ዘርዚራ’ላ።
“ንሳ (ኤልሳቤጥ ስቫንተሰን)፥ ነቶም ኣብ ሽወደን ዝሃብተሙ ሰባት ግብሪ ብምንካይ ንህዝቢ ሽወደን ኣብ ዕዳ ከተእትዎ
ዝመረጸት እያ ትመስል። ንተራ ሰባት እዚ ጸርፊ እምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ” ክብል ኣፈኛ ጒዳያት ቊጠባ ተቓዋሚ
መንግስቲ ዝኾነ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ሚካኤል ዳምበርግ ገሊጹ’ሎ።
እዚ እናኾነ፥ መንግስቲ ን 2025 ዝቐረበ እማመ ባጀት ሎሚ ንባይቶ ሽወደን—ሪክስዳግ–ኣረኪቡ። እቲ ባጀት ን 60 ቢልዮን
ክሮና ዝኸውን ጽገናታት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እቲ ዓቢ ክፋሉ ድማ ብምጒዳል ግብሪ ዝቖመ እዩ። ኣብ ሬድዮ ሽወደን ተንታኒ ፖለቲካዊ
ጒዳታት ፍረድሪክ ፉርተንባኽ ነዚ “ዘይተለምደ ባጀት” ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዕ፣ ብዝያዳ ነቶም ልዑል እቶት ዘለዎም ሰባት ዘርብሕ
እዩ ኢሉ’ሎ።