መሸጣ ኣባይቲ ዝሒሉ ድሕሪ ምጽናሕ እናወሰኽ ምምጽኡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣዝዩ ልዕሊ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ፡፡ ኣብዚ
እዋን’ዚ ኣብ ሽወደን ንመሸጣ ዝቐረቡ ኣባይቲ ብኣሃዝ ኣዝዩ ወሲኹ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣስታት 13 ሽሕ ኣባይቲ ንመሸጣ
ክቐርቡ ምርኣይ ትጽቢት ከምዝግበር SVT News ጸብጺቡ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝርከባ ናይ መወዳእታ ክልተ ሳምንታት
ንዓደግትን ሸየጥትን ኣገደስቲ ምዃነን እዩ ዝንገር ዘሎ። መስከረም ልምዲ መብዛሕትኡ ኣባይቲ ዝሽየጠላ ወርሒ እያ። ዝጸንሐ
ሓፈሻዊ ልምዲ ተቐዪሩ፡ መብዛሕትኦም ሽወደናውያን ቅድሚ ምዕዳጎም መጀመርታ ይሸጡ ምህላዎም ተጸብጺቡ’ሎ። እዚ
እናኾነ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ምስ ሓምለዋይ ስግግር ዝተኣሳሰረ ቁጠባዊ ዕቤት እኳ እንተሃለወ፡ ካብቶም ካብ ዩኒቨርሲቲ ሉለዮ
ዝተመረቑ ሓደ ሲሶ ጥራይ እዮም ኣብኡ ይቕጽሉ ምህላዎም ተሓቢሩ። ሕጂ እቲ ዞባ፡ ዝያዳ መንእሰያት ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ
ሽወደን እትርከብ ዞባ ኖርቦተን ክጸንሑ – ወይ ናብኣ – ንኽምለሱ ተባብዕ፡ ‘ኣማኻሪት መንእሰያት’ ቆጺሩ ኣሎ።
“ብርግጽ ብዙሕ ምውጅባር ዘለዎ ዩ፡ ነዚ ንምንጻር ዝያዳ ምጽዓር ከድልየና ” ክትብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓድሽ ስራሓ
ዝጀመረት ኣማኻሪት መእንሰያት ኢሳ ፖንቱሮ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።