ኦፒ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፥ ኣብ ዝቐረቡ መመልከቲታት ሓደስቲ ዕድጊ-ዝካረዩ ኣባይቲ ብ
27% ወሰኽ ኣመዝጊቡ’ሎ። ልዕሊ ክልተ ሲሶ ወይ 71% ካብዞም መመልከቲታት ካብቶም ንፈለማ እዋን ኣብ ንብረት ወፍሪ
ዝገብሩ ዘለዉ ሰባት ዝመጸ ኮይኑ፡ ካብ ታሕሳስ ብ 21% ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ።
እቲ ዝዓበየ ወሰኽ ኣብ ጂቫስኪላ፡ ሮቫኒኤሚ፡ ላህቲ፡ ኦውሉን ፖሪን እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ። ኣብ ኦፒ ሓላፊት ልቓሕ ኣባይቲ ሃና
ሄይኖነን፡ ምምላስ ኣውፈርቲ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ሸመታ ንኽራይ ብርኡይ ዝደኸመሉ ዓመት ብምንጽጻር ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ከም
ዘሎ ገሊጻ።
“ወለድ ምስ ወሰኸ፡ ኣውፈርቲ ንዝተወሰነ እዋን ዕዳጋ ዝገደፍዎ ኮይኑ ይስማዓሚ " ክትብል ርእይቶኣ ሂባ’ላ። "እቲ ወሰኽ
ወለድ ንብዙሓት ብዛዕባ ካልእ ወፍሪ ክሓስቡ ደሪኽዎም'ዩ፡ ሕጂ ግን ዕዳጋታት ወለድ ክወርድ ትጽቢት ኣብ ዝገብሩሉ ዘለዉ
እዋን፡ ሰባት ኣብ ወፍሪ ኣባይቲ ዳግማይ ተስፋታት ይርእዩ ኣለዉ" ኢላ።
"እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምንቁልቋል ዋጋታት ኣባይቲ ብርግጽ ንኣውፈር ናብ ዕዳጋ ክመልሶም እዩ" ክትብል ድማ ተስፋኣ
ገሊጻ’ላ።
እዚ እናኾነ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ ኣብ ኩባንያታት ኣባይቲ ዝርከቡ ብሉያት ህንጻታት ካብ
ዓመት ናብ ዓመት ብ 5.1% ምንካዮም፡ እዚ ድማ ኣብ ዞባ ርእሰ ከተማ ብ 6.3% ከምዝወረደን ስታቲስቲክስ ፊንላንድ ብ 3
ግንቦት ኣመልኪቱ። እቲ ውድቀት ብፍላይ ኣብቶም ካብ ሰለስተ ንላዕሊ ክፍልታት ዘለዎም ኣባይቲ ልዑል እዩ ነይሩ፡፡ 7.4% ኣብ
መላእ ሃገር፡ 8.6% ኣብ ዓበይቲ ከተማታት፡ 9.4% ኣብ ርእሰ ከተማ ዞባታት። ብወገኑ ብደላሎ ትካላት ንብረት ዝካየድ ዝነበረ
ቁጽሪ መሸጣ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ 12% ከምዝነከየ ተገሊጹ። ኦፒ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነዚ ወፍሪ ዝቐርብ
መመልከቲ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ኣዋርሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጽሪ መመልከቲ ብግልጺ
ትሑት ዝነበሩ ኮይኑ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ግን ዝሓሸ ተስፋታት ኣርእዩ’ሎ። ብሓፈሻ እቲ ፋይናንሳዊ ጉጅለ ኣብ መንጎ ወርሒ ጥሪን
መጋቢትን ኣብ ዝነበረ መመልከቲ ልቓሕ ኣባይቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብኣስታት 10% ወሰኽ ኣመዝጊቡ’ሎ።
ኦፒ ኣብ ፊንላንድ ዝዓበየ ልቓሕ ኣባይቲ ዝህብ ትካል ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።