ብዕለት 24/08/2020፡ ሓደጋ ባርዕ፡ ነቲ ኣብ ኣልቭስቢን (Älvsbyn) ተዶኲኑ ዝነበረ ፋብሪካ ባኒ፡ ፖላርብሩድ፡ (Polarbröd) ምሉእ ብምሉእ ከምዘዕነዎ ይዝከር። ፖላርብሩድ፡ ነቲ ብሓደጋ ባርዕ ዝዓነወ ፋብሪክኡ፡ ከም እንደገና ክሃንጾ ምዃኑ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ መርበብ ሓበሬትኡ መብጽዕኡ ገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ምስ ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ ኢቫ ኖርድማርክ፡ ዝቕጽል ሰኑይ ናብ ከተማ ኣልቭስቢን ብምኻድ ናብ ፋብሪካ ፖላርብሩድ ክበጽሑን ብዛዕባ ጉዳይ እቲ ሓደጋ ክዝትርዩ ምዃኖም ምንጭታት ሓቢሮም።