መራሒት ሓምላይ ሰልፍን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢዛቤል ሎቪን፡ ካብ መዝነታ ብፍቓዳ ከም ዝተሰናበተትን እቲ ዝወሰደቶ ውሳነ ድማ ንዓኣን ንሰልፍን ዘርብሕ ምዃኑ ምስ ጋዜጣ ዳግነዝ ኔሂተር ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ሓቢራ።
ኣብ መንጎ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትን ሓምላይ ሰልፍን፡ ብሰንኪ ሓድሽ እማመ ስደተኛታት፡ ዝሰዓበ ዘይምርድዳእ ተላዒሉ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ሰብኣውነት ዝተሓወሶ እማመ ክኸውን ይግባእ ብምባል ነቲ እማመ፡ ኢዛቤል፡ ነጺጋቶ ምንባራን እንተዘይተመሓይሹ ድማ ንመንግስትን ሰልፍን ክትገድፍ ምዃና ሓቢራ ነይራ።
ኢዛቤል ሎቪን፡ ካብ ዓመተ 2016 ጀሚራ ንኦሳ ሮምሶን ተኪኣ፡ ሓላፊት ሓምላይ ሰልፊ ኮይና ከም ተመዘትን ብቕድሚኡ ድማ ኣብ ፓርላማ ኤውሮፓን ቀጺሉ ድማ ኣብ መንግስቲ ትሰርሕ ከምዝነበረት ይዝከር።
ንኢዛቤል ተኪኡ ነቲ መዝነት ዝቕበል ሰብ መን ክኸውን ከምዝኽእል ምፍላጥ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ዘሎ ኩነታት ብጣዕሚ ከቢድ ስለዝኾነ ክብል ኣብ ሬድዮ ኢኮት ተነታኒ ዝኾነ ቶማስ ራምቤሪ ገሊጹ።