ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ካብ ዕለት 15/07/2020 ጀሚሩ ነቶም ብመንገዲ ኮሚሽን ተመሪጾም ዝመጹ ስደተኛታት ክትቅበል ክትጅምር ምዃና ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ።
ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ሽወደን፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚራ ነቶም ብመንገዲ ኮሚሽን ዝመጹ ዝነበሩ ስደተኛታት ምቕባል ኣቋሪጻ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ። ሕጂ ድማ ነቲ መስርሕ ብጥንቃቐ ክትቅጽሎ ምዃና ሓቢራ ኣላ።
ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣቛሪጹ ዝጸንሐ ስደተኛታት ናይ ምቕባል መስርሕ ከምእንደገና ክቕጽሎ ምዃኑ ብምሕባር ንውሑድ ቁጽሪ ካብቶም እጃም ሽወደን ዝኾኑ ስደተኛታት ክቕበል ተዳልዩ ከምዘሎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሓላፊ ኣዋሃሃዲ እጃም ስደተኛታት፡ ኦስካር ኢክብላድ፡ ገሊጹ።
ካብቶም ኣብ ትሕቲ ኮሚሽን ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ክሳብ 5 ሽሕ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ክትቅበል ተመባጺዓ ምንባራ ይዝከር። ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ኩሎም ናይ ኣየር መጓዓዝያታት ብምልማሶም፡ ናብ ሽወደን፡ 1300 ስደተኛታት ጥራይ ክኣትዉ ክኢሎም።
ምስ ኣሃዱ ጥዕናን ትሑት መጠን ለበዳ ዘለወን ከባቢታትን ድሕሪ ምዝርራብ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ 20 ስደተኛታት ክንቅበል መዲብና ኣለና ክብል ኢክብላድ ሓቢሩ።