ኩባንያ ኢካ ካብ ጨናፍራቱ ዝተዓደገ፡ ዘርኢ-ስምስም፡ ንኽምለስ ምጽውዑ ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ፍርያት፡ ኢታይሊን ኦክሳይድ፡ ዝተባህለ ምስ መግቢ ክሕወስ ዘይግበኦ ፈውሲ ባልዕ ተሓዊስዎ ከይህሉ ስግኣት ስለ ዘሎ እዩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።
ብመሰረት ኣቕራቢ ፍርያት “I love eco” ዝኾነ ዘርኢ-ስምስም፡ እተን ናይ መጨረሽታ ክልተ ፍርያታት ጥራይ በዚ ቀመም ከምተበከላ እኳ እንተሓበረ፡ ኩባንያ ኢካ ግን፡ ናይ መዓስ ይኹን ብዘየገድስ፡ ክምለስ ከምዘለዎ ጸዊዑ ኣሎ።
እዚ ባህርያዊ ዝኾነ ዓይነት ዘርኢ-ስምስም ኣብ ናይ 350 ግራም ለቖታ ዝተዓሸገ እዩ።
ምንጪ፡ መርበብ ሓበሬታ TT
https://app.tt.se/nyheter/id=201021-aterkalladprodukt-dfc40b2c