ስቨን-ጎራን ”ስቨኒስ” ኤሪክሰን ኣብ መበል 76 ዓመቱ ዓሪፉ። ፍሉጥ ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ ሽወደን መላእ ስድራቤቱ እናኣለይዎ
ኣብ ገዝኡ ከምዝሞተ ደቁ ትማሊ ሰኑይ ብዕሊ ገሊጾም። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኤሪክሰን፡ መንሽሮ ቆስጠ ከምዘለዎ
ምስተረጋገጸ፡ እንተበዝሐ ሓደ ዓመት ጥራይ ብህይወት ክጸንሐ ምዃኑ ከም እተነግሮ ምዝራቡ ዝፍለጥ እዩ
ብኻልእ ዜና ብ 28 ለካቲት 1986 ዝተፈጸመ ቅትለት ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኦሎፍ ፓልመ፡ ንሽወደን ከቢድ ሃገራዊ ስንባደ
ዝፈጠረ ምንባሩ፥ ክሳብ ሕጂ’ውን ናይ ስንባደ ተዘዝታ ዝፈጥር ኲነታት ኮይኑ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ዘኪራ። ብጋዜጠኛ ጆን
ጆርዳስ ዝተደርሰት ሓዳስ መጽሓፍ ግን ብዛዕባ መንነት ተሓታቲ እዚ ፍጻመ ኣመልኪታ ፖሊስ ዝተፈለየ መደምደምታ እያ ትህብ።
”ነቲ ዛንታ እናኽደጋግሞ፡ ዝነበረኒ ምድንጋር እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ፡ ኣብዚ ዛንታ ገለ ዘይተፈትሐ ነገር ዘሎ ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ”
ክብል ጆን ጆርዶስ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።