ብመሰረት ሕጊታት ክንክን ህጻናት፥ ሙስሊም ህጻናት ብመንግስቲ ክውሰዱ ዝያዳ ተኽእሎ ኣለዎም ዝብል ኣበሃህላ መሰረት
ዘይብሉ ምዃኑ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ሓቢሩ። ኣብ ኩሎም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ካብ 1991-2020
ዝተወልዱ ህጻናት ኣመልኪቱ ዝተገብረ መርመራ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ካብ ሙስሊም ቤትሰብ ዝተወልዱ፡ ምስቶም ኣብ
ተመሳሳሊ ኩነታት ዝዓብዩ ካልኦት ህጻናት ክነጻጸሩ ከለዉ፡ ኣብዚ ናይ ምእታው ተኽእሎኦም ዝተሓተ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ
ዝሓለፈ ዓመታት ዓለማዊ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ወፍሪ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሽወደን ብስርዓት ናይ ወጻኢ ድሕረ ባይታ ዘለዎም
ህጻናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝወስድዎ ወረታት ኣስፊሑ