ሽልማት ኖቤል ሕክምና ሎም ዓመት –2024–ንኣመሪካውያን ቪክቶር ኣምብሮስን ጋሪ ሩቭኩንን ተዋሂቡ። ኣብ ምቁጽጻር
ጂን ወሳኒ ተራ ዝጻወቱ ደቀቕቲ ሞለኪዩላት ኣር/ኤን/ኤ (ማይክሮ ኣር/ኤን/ኤ) ብምድህሳሶም እዮም፥ እዞም ኣመሪካውያን
ነዚ ክብሪ በቒዖም ዘለዉ። እዚ ሽልማት ፊዚዮሎጂ ብባይቶ ትካል ካሮሊንስካ ዝወሃብ ኮይኑ፡ ከም ልምዲ ኣብ ኦስሎን
ስቶክሆልምን ዕደላ ሽልማት ሰሙን ኣቐድም ኣቢሉ ዝእወጅ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። እቶም ሳንቲስት ካብ ሽወደን ጻውዒት ተሌፎን
ብስራት ምስ ተገብረሎም ዘይተጸበይዎ ብምንባሩ ምስንባዶምን ምሕጓሶምን፥ ሪፖርተር ሬድዮ ሽወደን ንመጀመርያ ግዜ ንቪክቶር
ኣምብሮስ ከም ዝተዓወተ ምስ ሓበረቶ ስምዒታት ከም እተፈራረቖ ገሊጻ’ላ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጋሪ ሩቭኩን፡ ንክፍሊ
ሳይንስ ሬድዮ ሽወደን፡ ቬተንስካ ፕስራድዮን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ”ከልበይ ደገ ጸልሚቱ እናሃለወ ምጒያይና” ኣዝዩ ድንግርግር ኢልዎ
ይርእየና ኔሩ” ኢሉ። ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ስቶክሆልም ዝካየድ ጽምብል ብሃንቀውታ ይጽበዮ ምህላዉ’ውን ሓቢሩ’ሎ።
“እቲ ኣብ ዓውዲ ፊዝዮሎጂ ግራውንድ ብሬኪንግ ተባሂሉ ዘሎ እዚ ዳህሳስ፡ ንደቂ ሰባት ሓዊሱ ንብዙሕ ዋህዮታት ዘለዎም
ህይወታውያን–ማልቲሴሉላር ኦርጋኒዝምስ–ኣገዳሲ ዝኾነ ፍጹም ሓድሽ ማእከል ምቁጽጻር ጂን ክርከብ ጌሩ’ሎ” ክብል
ምግላጹ ሬድዮ ሽወደን ነቲ ጒባኤ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ።
ብተመሳሳሊ ዜና—ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሄልሲንኪ፡ መንሽሮ ደም ንምምካት ባህርያዊ ቀተልቲ ዋህዮታት (NK) ኣብ
ጠቕሚ ምውዓል ብዝገበርዎ ኣበርክቶ፡ ሽልማት ሜዲክስ 2024 ተዓዊቶም። ብፕሮፌሰር ሳቱ ሙስትጆኪ ዝምራሕ እዚ ጉጅለ፡
ገለ ዋህዮታት መንሽሮ ካብ ዋህዮታት ኤን.ኬ. ዝሃድሙሉን ብእኡ ኣቢሎም ድማ ውጽኢታዊ ኣገባብ ፍወሳ መንሽሮ ደም
ብምድህሳሶም እዮም ነዚ ሽልማት በቒዖም ዘለዉ። እዚ ኣብ ብዙሕ ተነባቢ ዓለምለኻዊ መጽሔት “ኢምዩኒቲ” ዝተሓትመ
መጽናዕቲ፡ ኣብ ኢሚዩኖቴራፒ መንሽሮ ሓድሽ መፍትሒ ናይ ምምጻእ ዓቕሙ ንኢዱ’ሎ። እዚ ብዩኒቨርሲቲ ሄልሲንኪ ዝወሃብን
ብሚነርቫ ፋውንዴሽን ዝልገሰን ሽልማት ሜዲክስ ኮይኑ፡ 20 ሽሕ ዩሮ ሽልማት ዘለዎ እዩ፡፡