ኣሜሪካ ነቲ ስነሓሳብ ሃድሽ ናዚስትነት ዝሕመረቱ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ሃገራት ኖርዲክ ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ መዲባቶ። ሰለስተ መራሕቲ ናይቲ ጉጅለ እውን ኣብ ዝርዝር ግብረሽበራ ኣሜሪካ እቱዋት ተጌሮም ኣለዉ።
“እዚ ምደባ ኣመሪካ ኣብ ሓያሎ ደረጃታት ርኡይ ጽልዋ ክህልዎ’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ” ክብል ከም NRM ዝኣመሰሉ ርሑቕ የማናውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ምጽራይ ዝነጥፍ መጽሔት ናይ ዘሕትም ኤክስፖ ፋውንዴሽን ተመራማሪ ዝኾነ ሞርጋን ፊንሲዮ ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ ገበነኛታት ኣስማት ንጹሃት ሰባት ተጠቒሞም መካይን ስርቂ የመዝግቡ ኣለዉ ክብል መርመራ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ። እዘን መካይን ድሒረን ኣብ ቅትለትን ብረታዊ መጥቃዕቲ ውዒለን እየን። ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ገበናዊ ተግባር ዝፍጸም ዘሎ ብወረቐታዊ ቅጥዕታት ኣብ ለውጢ ዋንነት ዝኾነ ናይ ምጽራይ መስርሕ ስለዘይግበር እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ስትራተጂስት ክሪስቶፈር ካርዳህል፡ ንጹሃት ሰባት በዚ ብኣሉታ ምጽላዎም ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ’ሎ። ይኹን’ምበር እቲ ትካል ሕጂ’ውን ነቶም ዲጂታላዊ ኣማራጺታት ክጥቀሙ ዘይክእሉ ምኽንያት ብምግባር ነቲ ቅጥዕታት ክዕቅቦ ወሲኑ’ሎ።