ቲክቶክ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሕጊ ኣመሪካ ቲክቶክ ብባይትዳንስ ክሽየጥ ወይ ክእገድ ምውሳኑ ኣብ
መሰል ናጽነት ምዝራብ ተጠቀምቱ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር እዩ ብምባል ተማጒቱ። እቲ ሕጊ ክወጽእ ዝደረኸ ሓበሬታ ተጠቀምቲ
ዜጋታት ኣሜሪካ ብመንግስቲ ቻይና ንኽምዝመዝ ተቓላዓይ እዩ ዝብል ስክፍታታት እዩ። ቲክቶክን ባይትዳንስን ምስ ሰብመዚ ቻይና
ርክብ ከምዘይብሎም ብተደጋጋሚ ክነጽጉ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። እተን ኩባንያታት ነቲ ሕጊ ንምዕጋት ኣብ መጀመርታ ወርሒ
ግንቦት ክሰን ኣቕሪበን ኔረን እየን። ነቲ ዘይሕገመንግስታዊ ዝበላኦ ስጒምቲ ብምንቃፍ ከኣ ኣብ ልዕሊ 170 ሚልዮን
ኣሜሪካውያን ተጠቀምቱ ዝተጻዕነ እገዳ ምዃኑ እየን ዝገልጻ።
ሰለስተ ዳያኑ ዝሓቖፈ ፓነል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ንመጐተአን ሰሚዑ’ሎ። ጠበቓ
ቲክቶክን ባይትዳንስን ኣንድሪው ፒንከስ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዚ ሕጊ ኣብ ዘይተወሰነ መጻኢ ሓደጋታት
ዝተመርኮሰ ፍሉይ ክልከላ ዘረባ ዝጽዕን እዩ” ኢሉ’ሎ። ኣብ ዙርያ ቻይና ዝነበረ ስክፍታታት ብኣግኡ ከምዝተላዕለ፡ ሚስተር
ፒንከስ እቲ ትካል “በታ ሃገር ከምዘይውነን” ገሊጹ እዩ።
ዳኛ ስሪ ስሪኒቫሳን ግና እቲ ትካል “ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ቻይና እዩ ዘሎ” ክብል መልሲ ምሃቡ–ቢቢሲ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።