ኣሜሪካ ንሞስኮ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኢዳ ንምእታው ሰፊሕ ጎስጓስ ከምዘካየደት ብምኽሳስ ንኣካየድቲ መንግስታዊ
ሚድያታት ሩስያን ምስ ክረምሊን ዝተኣሳሰሩ ሚድያታትን እገዳ ክትገብር ምዃና ገሊጻ። ክፍሊ ፍትሒ፡ መንግስትን ካዝናን፡ ነቲ
ዝተባህለ ስርሒታት “ንምምካት” ዝተዋደደ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጦም። ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሜሪክ ጋርላንድ፡
መንግስታዊ ፈነወ RT ወይ ሩስያ ቱደይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ማዕከን ዜና፡ ንሓደ ናይ ተነሲ ትካል “ሕቡእ መልእኽቲ መንግስቲ
ሩስያ ዝድግፍ ትሕዝቶ ንህዝቢ ኣሜሪካ ንምዝርጋሕን” 10 ሚልዮን ዶላር ከምዝኸፈለ ከሲሱ። ሓላፊት RT ማርጋሪታ
ሲሞንያን ሓንቲ ካብቶም “ህዝቢ ኣብ ትካላትና ዘሎዎ እምነት” ንምጉዳእ ፈቲኖም ብዝብል እገዳ ካብ ዝተገበረሎም 10 ሰባት
እያ ነይራ። RT ግና እዚ ዝተባህለ ተሳትፎ ከምዘይገበረ ብምንጻግ ነቲ ክሲ ነጺጉዎሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ሓይልታት እስራኤል ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ምስ ግብጺ ዝዳወብ ስትራተጂካዊ
ኣገዳስነት ዘለዎ ቀጽሪ ጽርግያ ፊላደልፊ ከምዘይወጹ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ንሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝርከባ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና
ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ከም ኣካል ናይቲ ቀዋሚ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል፡ ኣብ ዶብ ቓዛን ግብጽን ወተሃደራት እስራኤል ክህልዉ
ዝብል ሓሳብ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ንዝብል ሓሳብ “ክፉት” ምዃኑ ገሊጹ። ኔታንያሁ፡ ኣጽዋርን ምናልባት’ውን ጅሆ ዘተታሕዙ
እስራኤላውያንን ብኮንትሮባንድ ዶብ ከይሰጋገሩ፡ ወተሃደራት እስራኤል ኣብዚ ቦታ ክዕስክሩ ኣለዎም ክብል ተማጒቱ’ሎ። ሓማስ
ብወገኑ ብማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኔታንያሁ ካብ ቀጽሪ ፊላደልፊ ንኸይወጽእ ምውሳኑ ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ
ተኹሲ ንምፍሻል ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ብምግላጽ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ንምግባር እዋኑ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።