ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ሕክምና ከምጽኦ እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ብርቂ ኣገልግሎትን ስሉጥነትን፥ ይደናጎ ምህላዉ ተገሊጹ።
ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ወይ “AI” ኣብ ሽወደን ኣብ ሕክምና ዳርጋ ኣብ ጠቕሚ ይውዕል ዘይምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ን ኲባንያታት
ክንክንን ሰብመዚ ዞባታትን ብምውካስ ኣጣሊላ’ላ። ብውልቂ ኣብ ዝመሓደር ኩባንያ ክንክን “ሁማና” ኣመሓዳሪ ኣርቲፊሻል
ኢንተሊጀንስ ኣዳም ኔረል፡ ብሓፈሻ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣብ ኣዝዩም ሒደት ጒዳያት እንተዘይኮይኑ፥ ካብ ደቂ
ሰባት ዝሓሸ ስራሕ ዝዓመሉ ደረጃ ከም ዘይበጽሐ ይዛረብ። ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣዝዩ ሃብታም ስርዓተ ኮምፑተርን ዳታን
ብምምዝማዝ፡ ከም ሰብ እናተመሰለ ዝዓዪ ኤክኖሎጅያዊ ምህዞ እዩ። እዚ ተኢክኖሎጂ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት፡ እንተላይ ክንክን
ጥዕና ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዕ ስሉጥነት ከዕቢ እዩ ዝብል ትጽቢታት ክግበር ጸኒሑ’ሎ።
እዚ ብርግጽ ምስ ግዜ ዝኽሰት ተርእዩ ከም ዝኸውን ኔረል ኣስሚሩሉ’ሎ። ሓሙሽተ ካብተን ዝዓበያ ኲባንያታት ጥዕና ሽወደን
ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ጨሪሰን ኣይጥቀማን እየን። ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ንኽትርድኦ ኣጸጋሚ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡
ሕጊታት ሓለዋ ዳታ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ አገልግሎት ጽላት ክንክን ጥዕና ንኸይውዕል ከም ዝገብር ኔረል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት ውልቃዊ ታሪኽ ሕክምና ዜጋታት ሚስጥራውነቱ ክሕሎ፡ ኣብ ሕጉ ኣጥቢቑ ዝከላኸሎ መሰል እዩ። በዚ ድማ
እዚ ቴክኖሎጂ ካብ ኣብ ኣውሮጳ፥ ኣብ ቻይናን ኣመሪካን ገዚፍ ለውጢታት ከምጽእ እዩ ዝብል ትጽቢታት ኣሎ።