ተወሳኺ ሓገዝ ዝሓዛ መካይን ጽዕነት ብተኸታታሊ ንሳልሳይ መዓልቲ ናብ ሰሜናዊ ቓዛ በጺሐን። እዘን መካይን ንክልተ ሰሙን
ተዓጊተን ድሕሪ ምጽንሐን እየን ናብቲ ቦታ ዝበጽሓ ዘለዋ። ኣመሪካ እስርኤል ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ረድኢትናብ ህዝቢ ክኣቱ
እንተ ዘይፈቒዳ ናብ እስራኤል እትገብሮ ሓገዛት ደው ከተብሎ ምዃና ድሕሪ ምግላጻ፥ ሰራዊት እስራኤል ሎሚ 50 ናይ ጽዕነት
መካይን ከምዝኣተዋ ገሊጹ’ሎ። ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ሓገዝ ናብ ቓዛ ክትፈቅድ ምውሳና
ብምግላጽ፡ ኣብ ረድኢት ሕጽረት ዘይምህላዉ፡ ክሳብ ሕጂ ምድንጓዩ ከኣ ተሓታቲ ሓማስ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ ቓዛ፡
ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ውግእ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ብሰንኪቲ ደብዳብ ከንቲባ እቲ ከባቢ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ልዕሊ
ከተማ ናባጥያ ከም እተቐትሉ ቢቢሲ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ። ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ
ሰሜናዊ ክፋል ሊባኖስ 23 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣመልኪቱ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ። ኣፈኛ ጀረሚ ሎረንስ፡
ኣብታ ብብዝሒ ክርስትያን ዝነብሩላ ቁሸት ኣይቶው ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ንኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ብዝምልከት “ስክፍታታት”
ከምዘለዓዓለ ገሊጹ። በቲ መጥቃዕቲ 12 ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ህጻናትን ሞይቶም እዮም። ንሳቶም ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ደቡብ
ዝተመዛበሉ ስድራቤት እዮም።
እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ኣብ እትርከብ ከተማ ቤት ላህያ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 87 ሰባት ከምዝተቐትሉ
ሰብመዚ ሓማስ ሓቢሩ። እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ “ዕላማ ሓማስ ብልክዕ ዝወቕዐ” ኢላ ክትገልጾ እንከላ፡ ሰበስልጣን
ሓማስ “ዝተጋነነ” ኣሃዛት የቕርቡ ኣለዉ ክትብል ከሲሳ’ላ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ኣብ ቓዛ ውሑስ ዝበሃል ቦታ የለን፥
መከራ እቲ ቦታ ይጋደድ እዩ ዘሎ” ይብል።