ሃገራዊ በዓልመዚ ኣገልግሎት ክሊማ ሽወደን SMHI ክሳብ ጽባሕ ሓሙስ ምሸት ኣብ ኣግራብን ግራውትን ገለ ክፋል ምብራቓውን ማእከላይን ሽወደን ሓደጋ ባርዕ ጫካ ናይ ምግጣም ተኽእሎ ምህላዉ ብምትሕስሳብ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ኣብ ገለ ቦታታት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ”ኣዝዩ ልዑል” እዩ ዝብል መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ ። መርበብ ሓበሬታ ሰብ መዚ ህጹጽ ኲነታት ሽወደን krisinformation.se ብልዕሊ ደርዘን ቋንቋታት ሓበሬታን ምኽርን ዝህብ ብምዃኑ ሰባት ነዚ መርበብ ሓበሬታ ክውከሱ ኣለዎም ተባሂሉ’ሎ። ። ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ከተማ ላንግሰለ ምምሕዳር ከተማ ሶሌፍተዮ ናይዚ ዓመት ዝሞቐት መዓልቲ ተባሂላ ምምዝጋባ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ። እዚ እናኾነ መጭበርበርቲ ብኢመይልን ኣቢሎም ሰራሕተኛታት ኤጀንሲ ማሕበራዊ መድሕን ሽወደን ብምምሳል ምቕራብ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ሕጂ እቲ ትካል መብዛሕትኡ ግዜ ፍጻመታት ምትላል ብኸመይ ከም ዝፍጸሙ ጭቡጥ ኣብነታት ዝሓዘ መርበብ ሓበሬታ የዳሉ’ሎ።
ኣብቲ ትካል ምስ ጉዳያት ጸጥታ ዝሰርሕ ሮበርት ጉስታፍሰን፡ ኣብ ወርሒ ካብ ሰራሕተኛታቱ ብዛዕባ ሓደስቲ ሜላታት መጭበርበርቲ ዝጥቀሙሉ ካብ 5 ክሳብ 10 ምኽርታት ከም ዝረክብ ገሊጹ’ሎ። ካብ ዜናታት ገበን ከይወጻእና—ፖሊስ ስከለፍትዮ ሞት ሰራሕተኛታት ናይቲ ኣብ ኖርዝቮልት ዝርከብ ፋብሪካ ምፍራይ ባትሪ ይምርምር ኣሎ። ሰለስቲኦም ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ሰዓቶም ወዲኦም ኣብ ቤቶም እዮም ሞይቶም ተረኺቦም፡፡ እቲ ሓደ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ካልኣይ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ እዮም ሞይቶም። ምምሕዳር ኖርዝቮልት እቲ ኩነታት ከምዘሕዘኖ እንተኾነ ሓድሽ መርመራ ፖሊስ ምጅማሩ ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ብምግላጽ፡ ኣቐዲሙ ካብ ክልቲኡ ፖሊስን ኖርዝቮልትን ምስቲ ቦታ ስራሕ ዝተኣሳሰር ጥርጣረ ከምዘይረኸበ ኣመልኪቱ’ሎ።