ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ኣመክሮን ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ህጻናትን መንእሰያትን እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ዝያዳ መምህራንን ተቖጻጸርቲ ትምህርትን ይቖጽር ኣሎ። ኣብ መላእ ሃገር ተወሳኺ ሰለስተ መምህራንን 28 ተቖጻጸርቲ ትምህርትን ክቖጽሩ ምዃኖም እቲ ኣገልግሎት ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ስቶክሆልም ከባቢ ኩንግሾልመን ኣብ ዝርከብ ማእከል መእሰሪ ክሮኖበሪ ኣብ ሞያ መምህርና እትሰርሕ ሻርሎት ኒለን ተርቫሃውታ፡ ስርሖም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንዝርከቡ ህጻናት ለውጢ ኣተሓሳስባ ከምጽእ እዩ ኢላ ከም እትኣምን ትዛረብ።
ብኻልእ ዜና ዳህሳስ ምድሪ ሽወደን ዲጂታላዊ ኣገልግሎታቱ ክዓጽዎ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ሓያሎ ፕሮጀክትታት ህንጸት ተቛሪጾም ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ። ሕጂ ኩሉ ሓበሬታን ሰነዳትን ካብ ዳህሳስ ምድሪ ብማንዋል ይካየድ ምህላዉ፣ ዳርጋ ክልተ ወርሒ ዝኸውን ናይ ምጽባይ ግዜ’ውን ይሓትት ምህላዉ ተሓቢሩ። ዳህሳስ ምድሪ፡ ብዛዕባ ምስጢራዊ መከላኸሊ ትካላት ዝምልከት ሓበሬታ ብእኦም ኣቢሉ ከምዝርከብ ምስተጋህደ፡ ዲጂታላዊ ኣገልግሎታቱ ምቊራጹ ዝፍለጥ እዩ።