መርበባት ሞይል ቴሌኖርን ተልያን ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 50 ሚልዮን ናይ ምትላል ቴሌፎን ጻውዒታት ደው ከምዘበሉ ማዕከን ዜና ቲቲ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 700 ሚልዮን ክሮና ብጉዳይ ምትላል ቴሌፎን ተሰሪቑ እዩ። ኣብ ሃገራዊ ማእከል ፖሊስ ምክልኻል ዓሎቕ ኣወሃሃዲት ስርሒታት ሎታ ማውሪትዝሰን፡ ጉዳያት ምትላል ቴሌፎን መሊሱ ክውስኽ ይኽእል እዩ ክትብል ኣተሓሳሲባ’ላ። ብኻልእ ዜና ብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ስራሕ ንዝተለኸፉ ሰባት ካሕሳ ክሓቱ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ። እቶም ንነዊሕ እዋን ብዝቕጽል Covid ዝተጠቕዑ ሰባት ኣብ ቦታ ስርሖም ነቲ ቫይረስ እንተሓዚኦምዎን ኣብ ውሽጢ ጽላት ክንክን ጥዕና ምስ ዝሰርሑን ብናይ ሓባር ልዝብ ኣቢሎም ካሕሳ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።
ይኹንምበር ትርጉም “ቦታ ክንክን ጥዕና” ንጹር ስለዘይነበረ ሕጂ ገለ መምህራን ኣብዚ እቱዋት ክኾኑ ይኽእሉ ድዮም ዝብል መርመራ ይግበረሉ ኣሎ።
ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ከም ዝጸብጸቦ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 620 ሰባት ኣብ ሽወደን መሰል ካሕሳ ተዓዊቶም ኣለዉ።