ኣብ ስቶክሆልም፣ ዮተቦሪን ማልሞን ዝርከባ ማእከላት ኣብያተ ጽሕፈት ትካል ግብሪ ሽወደን ”skyddsobjekt” ክኾና እየን፣ እዚ ድማ ዝለዓለ ጸጥታ ክረኽባ ከኽእለን እዩ። እቲ በዓል መዚ ነዚ ዘመልከተሉ ምኽንያት፡ እታ ሃገር ካብ ሕጋዊት ዒላማ ናብ ቀዳምነት ዝወሃባ ዒላማ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ሽወደን ብምስጋራ፡ ኣብ ሽወደን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ትካል ዮሃን ቴል፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ፍሉይ ስግኣት ከምዘይረኣየ ብምግላጽ፡ እቲ ስጉምቲ ኣካል ናይቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ድልውነት ስራሕ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ ብገበነኛታት ጕጅለታት ዝምልመሉ መንእሰያት ኣብ ዕዳ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ከም ዘለዎም፣ ንዕዳ ንምኽፋል ድማ ከም ዝጽገሙ ተሓቢሩ። ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ፡ ደረጃ ስግኣት ራዕዲ እታ ሃገር ብሓሙሽተ ነጥቢ ካብ ሰለስተ ናብ ኣርባዕተ ካብ ዘዕብዮ ዳርጋ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ሽወደን ከም ፍሉይ ዒላማ ዝተፈጸመ ስግኣት ልዑል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ሳፖ፡ ሽወደን ገና ናይ ጎነጻዊ መጥቃዕቲ ስግኣት ኣጋጢምዋ ኣሎ፡ ህዝቢ ድማ ነዚ ኣብ ግምት ከእትዎ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆንሾፒንግ ተመራማሪ ግብረሽበራ ማርኮ ኒልሰን፡ ደረጃ ስግኣት ክወርድ ምግባር ዘየድሊ ናይ ምዝናይ ኲነታት ከስዕብ ከምዝኽእል ይዛረብ።
”ፋብያን”፡ ሓያሎ ሞባይላትን ተዛመድቲ ውዕላትን ክገዝእ ምፍርራህ ከም ዝበጽሖ፡ ድሒሩ ሕሳብ ምኽፋል ምስ ሰኣነን፡ ብኽልተ ኩባንያታት ቴሌፎን ብድምር 120 ሽሕ ክሮና ከምዝተኸሰሰ ይዛረብ። ”ኣዝዩ ውሑድ ሓገዝ እረክብ ብምህላወይ ተስፋ ቆሪጸ ኣለኹ” ክብል ንሬድዮ ሽወደን ይዛረብ።