ዓባይ ብሪጣንያ ንእስራኤል እትገብሮ መሸጣ ኣጽዋር ኣደስኪላቶ። እዚ ምድስካል መሸጣ ኣጽዋር ንእሽቶ ምስ ምዃኑ ካብ ወተሃደራዊ ንላዕሊ ዲፕሎማስያዊ ትርጒም ዘለዎ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ካብ 350 ፍቓድ ኣስታት 30 ጥራይ እዩ ተኣጊዱ ዘሎ። እስራኤል ኣብ ቓዛ ዕላማታት ንምውቃዕ እትጥቀመለን ዘላ F35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ እገዳ ኣይክኣትዉን እዮም። እዚ ብብሪጣንያ ዝተወስደ ስጒምቲ እኹል ኣይኮነን፥ ክብሉ ነቲ ውሳነ ነቒፎም ኣለዉ ። ናይ ቀረባ መሓዛ እስራኤል ዝኾነት ብሪታንያ ግን እታ ሃገር ንገለ ካብቲ ሰደድ ኣጽዋር ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ብዝጥሕስ ኣገባብ ኣብ ቓዛ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ ብዝብል እያ ነዚ ውሳነ ክትገብር ወሲና ዘላ ።
እዚ እናኾነ ቀ/ሚ እስራኤል ኔታንያሁ መደረኡ ናብ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘብጽሓሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ መንበሪኡ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ኣብ ቂሳርያ ኣማኢት ሰባት እተሳተፍዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻዪዱ። ህዝቢ ቂሳርያ ኣንጻር እቲ ቀ/ሚ ጭርሖ ከም ዘስምዑን ገለ ጎነጽ ከም እተራእየን ታይምስ ኦፍ እስራኤል ሓቢሩ’ሎ። ከም እኒ ብራዘርስ ኢን ኣርምስ ደገፍቲ መድረኽ ተታሃዝቲ ጅሆን ዝጠፍኡን ስድራቤትን ሓያሎ ጉጅለታት መንእሰያትን ኣብታ ከተማ ተረኺቦም ኣለዉ።