መኮንናት ክፍሊ ፖሊስ ምብራቓዊ ኡሲማ ኣብ ደቡባዊ ፊንላንድ ከተማ ቫንታ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ክልተ ህጻናት ሞይቶም ዝተረኽቡሉ ፍጻመ ኣመልኪቶም ቅድመ ፍርዳዊ መርመራ ከፊቶም። ፖሊስ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ካብቶም ህጻናት እቲ ዝዓበየ ወዲ 7 ዓመት ኮይኑ፡ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ሓብቱ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከም እትርከብ ገሊጾም። ወለዶም፡ ን ደቆም ኣለይ መለይ ብምባል፡ ብሸለልትነት ቅትለትን ኣካላዊ መጉዳእቲ ብምውራድን ከምዝተጠርጠሩ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ንሓደ ተኣላዪ ህጻን ረዳኢ ዘይብሉ ምግዳፍ በዚ ድማ ህይወቱ ወይ ጥዕንኡ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ምግባር ብሕጊ ዘሕትት ገበን እዩ።
እቶም ሓለውቲ ይኹኑ ካልኦት ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ተዓዘብቲ በዚ ገበን ኣይክሕተቱን እዮም
“እቶም ቆልዑ ኣብቲ ገምገም እዮም ጥሒሎም። ሕጂ እቶም ወለዲ ነቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝነበሩ ህጻናት ብኸመይ ይኣልይዎም ምንባሮም ንምርምር ኣለና” ክትብል ኣብ ክፍሊ ፖሊስ ምብራቓዊ ኡሲማ ሓላፊት ቅድመ ፍርዲ መኮነን ክሪስታ ቫሊላ ብዓርቢ ንሄልሲንጊን ሳኖማት ርእይቶኣ ሂባ። ብጸብጻብ ሄልሲንጊን ሳኖማት፡ ኣቐዲሞም ዝተዘርግሑ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ እቶም ህጻናት ምስ ወዲ ክልተ ዓመት ሓዎምን ኣቦኦምን ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ጨብረቕ ክብሉ ከ ምእተራእዩ ይሕብሩ። እቶም ቆልዑ ካብቲ ናይ ምሕንባስ ቦታ ወጺኦም ኣቦኦም ከየስተብሃለሎም ካብቲ ጀቲ ናብቲ ዝዓሞቐ ሸነኽ ዘሊሎም ኣትዮም። ዳርጋ ን20 ደቓይቕ ኣብ ትሕቲ ማይ ምጽንሖምን ፡ ኣብቲ ዝዓሞቐ ሸነኽ ከምዝተረኽቡን ድማ ተገሊጹ።
ወላዲቶም ኣብታ ፍጻመ ዘጋጠመላ መዓልቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ እያ ምንባራ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።