ቤት ፍርዲ ኦስሎ፡ ኣብ 2022 ኣብ ርእሰ ከተማ ኖርወይ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ፕራይድ ግብረሰዶማውያን፡ ተወላዲ ኢራን ዝኾነ ኖርወጃዊ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ገበነኛ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ን30 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪድዎ። ኣብ ማእከል ከተማ ኦስሎ ብ25 ሰነ 2022 ኣብ ሰለስተ ቦታታት ብዝተፈጸመ ተዂሲ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ትሽዓተ ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም እዮም። ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ኦስሎ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 45 ዝዕድሜኡ ዛኒያር ማታፑር፡ ብመዳፍዕ 10 ጠያይቲ፡ ብሽጉጥ ድማ ሸሞንተ ተኹሲ ናብቲ ህዝቢ ከምዝተኮሰ ተኣሚኑ’ሎ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ “እቲ መጥቃዕቲ ንሰዶማውያን ሰባት ዒላማ ከምዝገበረ ዘጠራጥር ኣይኮነን” ኢሉ።
“እቲ ዕላማ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ግብረሰዶማውያን ምቕታልን ኣብ LGBTQ ሰባት ብሰፊሑ ራዕዲ ንምስራጽን እዩ ነይሩ።” ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝበልዎ፡ ማታፑር ታሪኽ ሕማም ኣእምሮ ዘለዎ ኮይኑ፡ ንጉጅለ ዳዒሽ (ኣይኤስኣይኤስ) ከም ዝድግፍ ይሕብሩ። በዚ ድማ እዩ ብ ከቢድ ተግባር ግብረሽበራን ቅትለትን ብምፍጻም ተኸሲሱ።
ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ንዝወዳደራ ኣመሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝተዳለወ ማልያታት ናይክ ብሓደ ኣትሌት ትራክ “ካብ ኣባታዊ ያታ ዝተወልደ ጭቋኒ ኣከዳድና” ከምኡ’ውን “ንደቂ ኣንስትዮ ከም ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት ዝቖጽር” ብዝብል ተነቒፉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፈረንሳ ስፖርተኛታታ ሕጃብ ከይወድያ ብምኽልካላ ነቐፌታ ይዘንባ’ሎ። ዓሚ ወርሒ መስከረም፡ ሚኒስተር ስፖርት ፈረንሳ ኣሜሊ ኦዴያ-ካስተራ፡ መንግስቲ ኣብ’ቲ ዝዓበየ ኣትሌቲካዊ ውድድር ዓለም፡ ሃይማኖታዊ ምልክታት ምቕራብ ይቃወም’ዩ ብምባል፡ ነቲ እገዳ ሂጃብ ከመኽንዮ ተራእዩ እዩ። IOC ኣስላም ደቀንስትዮ ስፖርተኛታት ነቲ ጒልባብ ርእሲ ክወድያ ነጻ ምዃነን ወሲኑ እዩ። ይኹን እምበር ፈረንሳውያን ኣትሌታት ብሕጊ ፈደረሽን ስፖርቶም ስለዝግዝኣ ኣብ እዋን ጸወታታት ሕጃብ ክኽደና ኣይፍቀደለንን እዩ። ዳርጋ 10 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ፈረንሳ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ክኾኑ እንከለዉ፡ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት እቲ እገዳ ሕጃብ ኣካል ናይቲ ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ነቲ ፈረንሳ ንባህሊ ሰኲላሪዝም ከም መሳርሒ ብምግባር ኣስላም ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ካብ ሕብረተሰብ ፈረንሳ ንምግላል ዝገብርዎ ዘለዉ ዝንባለ ምዃኑ ብምልዓል ይነቕፉ