ኣብ ጽላት ህንጻ ፊንላንድ ዘሎ ብጽሒት ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ርኡይ ወሰኽ ከምዘርኣየ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ብ “ኮንፈደረሽን ኢንዱስትሪታት ህንጻ ፊንላንድ (RT)” ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዕዮ ሓቢሩ። ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መላእ ፊንላንድ ኣብ ዝርከቡ መካነ ህንጻ ኣስታት 30% ካብ ሓይሊ ሽቕለት ናይ ወጻኢ ጉልበት ይሕዘኦ’ሎ። እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2019 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ቁጠባዊ ምንቁልቋል፡ ንኽልቲኦም ፊንላንዳውያንን ወጻእተኛታትን ሰራሕተኛታት እቲ ጽላት ምጒዳል ኣርእዩ’ሎ። ብፍላይ ን ርእሰ ከተማ ሄልሲንኪ ዘጠቓለል ዞባ ኡሲማ፡ ብዝሒ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ካብ ሲሶ ናብ 37% ወሰኽ ኣርእዩ እዩ። ይዂንምበር፥ እዚ ንጽጽር ምስቶም ኣብ ውሽጢ ህንጻ ዝርከቡ ካልኦት ዞባታትን ዓውድታትን ክወዳደር እንከሎ፡ ህላወ ጒልበት ወጻኢ ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ። እቲ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ ኣብ ህንጸት ትሕተ-ቕርጺ፥ ኢንዱስትሪ ኣባይቲን ህንጻን ዘሎ ብጽሒት ሰራሕተኛታት ወጻኢ ትሕቲ 15% እዩ። መብዛሕትኦም ኣብ ኢንዱስትሪ ህንጻታት ኣባይቲ ዝሰርሑ ወጻእተኛታት ብመንገዲ ግዝያዊ ትካላት ሰራሕተኛታት ዝተቖጽሩ ኮይኖም፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ቁጽሮም ክዓቢ ትጽቢት ይግበር። ኣብዚ ኢስቶንያውያን ዝዓበየ ጉጅለ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ኮይኖም፡ ኣስታት 40%፡ ዩክሬናውያን፡ ሩስያውያን፡ ላቲቭያውያን፡ ፖላንዳውያን፡ ሮማንያውያንን ኡዝቤካውያንን ድማ እቶም ዝተረፉ እዮም።