መብዛሕትኦም ቆልዑ ንወቕቲ ዕረፍቲ ሓጋይ ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ እኳ እንተኾኑ፡ ንገለ መንእሰያት ግን ብውሕዱ ኣብ መዓልቲ ሓደ ዝተመጣጠነ መግቢ ምስኣን እዩ ዝኸውን ዘሎ። ትካላት ግብረ ሰናይ ሲቲ ሚሽን ሽወደን፡ ዋላ’ውን ዋጋታት ኣቕሑ ይንኪ እንተሃለወ፡ ኣገልግሎታተን ኣብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸቕጢ ከምዘሎ ይገልጻ። ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ፍራይሹሰት እውን ኣብዚ ሓጋይ ብዙሓት መንእሰያት ይስሕብ ኣሎ፡፡ ሰራሕተኛታት ድማ ብዙሓት ቆልዑ ብቐንዱ ነጻ መግቢ ንምርካብ ክመጹ ከምዝኽእሉ ግምቶም ሂቦም ኣለዉ።