ብ ውሉፋት ዕጸፋርስ ነርስታት ዝፍጸም ስርቂ መድሃኒት ኣብ ሽወደን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ክብል ተቖጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ
ክንክንን ሽወደን (IVO) ሓቢሩ። እቲ መንግስታዊ ትካል ኣስራሕቲ ብዛዕባዚ ጒዳይ ዝያዳ ሓላፍነት ክወስዱ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ’ሎ።
“ወልፊ ምስ ዝህልወካ ብዓቕሊ ጽበት ዘይትገብሮ ነገር የለን፡፡ እቲ ወልፊ ኣዝዩ ሓያል ስለዝኾነ ቅኑዕን ጌጋን ክትፈሊ ኣየኽእለካን
እዩ” ክትብል ወልፊ ሞርፊን እናሃለዋ ነርስ ብምዃን ዘገልገልት ሕጂ ግና ካብቲ ወልፊ ዝተገላገለት ስፔሻሊስት ነርስ ሶፍያ