ኣብ ሽወደን ዝቕባበ ዋጋታት ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ 1.3% ከምዝወረደ መዐየሪ ሲፒኣይኤፍ ኣመልኪቱ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንፈለማ እዋን ዝቕባበ ዋጋታት ትሕቲ ሸቶ ማእከላይ ባንክ ሽወደን 2% ምዃኑ ይፍለጥ። ዋና ክኢላ ስነ-ቑጠባ ባንክ ኖርድያ ኣኒካ ዊንስት፡ ኣብዚ ዓመት ብማእከላይ ባንክ ብተደጋጋሚ ወለድ ክቕንስ ትጽቢት ጌሩ’ሎ። እዚ እናኾነ ብዙሓት ዩክሬናውያን ስደተኛታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ወግዓዊ መዝገብ ህዝቢ ሽወደን ከመልክቱን ውልቃዊ መለለዪ ቁጽሪ ክረኽቡ ይኽእሉ ምህላዎምን ተፈሊጡ። እዚውን ስራሕን ካልእ ጥቕምታት ናይ ምርካብን ዕድል ዝኸፍት እዩ ተባሂሉ’ሎ።
Related Stories
October 16, 2024
October 16, 2024