ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ህጻናት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናብ ሆስፒታላት ኣልዓውዳን ከማል ዓድዋንን ዘካየዶ ዑደት ድሕሪ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ንፈለማ እዋን ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ውድብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኲነታት ቓዛ ዘሕዝን ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ቓዛ ብሰንኪ ጥሜት 10 ህጻናት ምሟቶም ከቢድ ደረጃ ሕጽረት መግቢ ምህላዉ፡ ህንጻታት ሆስፒታላት ከኣ ከም ዝዓነዉን ጽሒፉ’ሎ። ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ቓዛ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብውሕዱ 15 ህጻናት ኣብ ሆስፒታል ከማል ዓድዋን ብሰንኪ ሕጽረት መግቢን ዋሕዲ ማይን ምሙቶም ገሊጹ’ሎ። መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ህጻን ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቡባዊት ከተማ ራፋሕ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ከምዝሞተ ወግዓዊ ማዕከን ዜና ፍልስጤም ዋፋ ትማሊ ሶኑይ ሓቢሩ።