ብሰንኪ ፖሊሲ እስራኤልን ኲናት ጋዛን ካብ ስልጣኖም ዝለቐቑ 12 ሰበስልጣን ምምሕዳር ባይደን ነበር፡ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ከምዘእተወ ገሊጾም። እቶም ፖሊሲታት ንርግኣት እቲ ከምዘዕነዎን “ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝጸንሐ ጸጥታዊ ስግኣት ክዛይድ” ከም ዝገበሩን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ ይገልጹ። ካብቶም 12 ሓደ ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ ትማሊ ሰሉስ እዩ ስልጣኑ ብገዛእ ፍቓዱ ሓዲጉ ዘሎ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣቐዲሙ ከምዚ ዓይነት ኣበሃህላታት ብምንጻግ፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝበጽሕ ሞት ኣበርቲዑ ከም ዝዂንንን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምዕባይ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ከሕይል ከም ዝደሊን ክገልጽ ጸኒሑ’ሎ።
እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ናይቶም ሰበስልጣን ነበር፡ “ኣሜሪካ ንእስራኤል ዲፕሎማስያዊ ሽፋን፡ ከምኡ’ውን ቀጻሊ ዋሕዚ ኣጽዋር ናብ እስራኤል ብምግባር፡ ኣብ ቓዛ ዝተኸስተ ቅትለትን ግዱድ ጥምየትን ተሓባባርቲ ጌሩና እዩ” እዮም ዝብሉ።
ካብ ሰብመዚ ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ክወጽእ ሕጂ ፋልማዩ ኣይኮነን። ኣቐድም ኣቢላ ፍልይቲ ተሓጋጋዚት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣሜሪካ ማርያም ሓሳነይን ተመሳሳሊ ርእይቶ ምሃባ ዝፍለጥ እዩ። ሰራዊት እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዓጸፋ ንምሃብን ንቓዛ ዘመሓድር ጉጅለ ሓማስ ንምጥፋእ ወፍሪ ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 37,900 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር።