ኖርወይ ልዕል ዝበለ ዋጋ መነባብሮ ዘለዋ ሃገር ትዂንምበር ኣቐዲማ ብተዛማዲ ትሑት ዋጋ ጸዓትን ኤሌትሪክን ክፍልታት ሆቴልን ዘለዋ ተባሂላ እያ ትፍለጥ ነይራ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና ኲነታት ምቅይያራት የርኢ’ሎ። ኣብዚ ዓመት ዋጋ ክፍልታት ሆቴላት ኣዝዩ ብምውሳኽ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣስታት 34% ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ።
ብፍላይ ድማ ድሕሪ ለበዳ ኮሮና ዝረአ ዘሎ ዕቤት ቱሪዝም ምስ ምድኻም ባጤራ ክሮና ነዚ ኲነታት ኣጋዲድዎ’ሎ። እዚ ተርእዮ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤውሮጳውያንን ኣመሪካውያንን ናብታ ሃገር ይስሕብ ኣሎ። እዞም በጻሕቲ ኣብ ዓዶም ዝለዓለ ዋጋ ሆቴላት ዝለመዱ ኮይኖም፡ ኣብ ኦስሎ፡ በርገንን ትሮምሶን ዝርከባ ሆቴላት ንሓንቲ ለይቲ ክሳብ 3000 ክሮና ወይ ልዕሊኡ ክሓታ እንከለዋ ዋጋ ክጎድለሎም ናይ ምሕታት ተኽእሎኦም ትሑት’ዩ።
ኣብዚ ዓመት እዚ ወሰኽ ካብ መጠን ወሰኽ ዋጋታት ብዝለዓለ ናህሪ ኣርእዩሎ። ጋዜጣ ዳገንስ ኔሪንግስሊቭ (DN) ድሮ ዝሓለፈ ጽድያ ኣብ ኖርወይ ዝህሉ ዋጋ ክፍልታት ኣብ ሽወደንን ደንማርክን ካብ ዝርከባ ሆቴላት ብዝለዓለ ይውስኽ ከምዘሎ ጸብጺባ ነይራ እያ።
“ቅድሚ ለበዳ ኣብ ኖርወይ ንነዊሕ ዓመታት ዕብየት ዋጋ ሆቴላት ውሑድ ምንባሩ ክንርስዕ የብልናን” ክብል ፒተር ዊደርስትሮም ካብ ዊደርስትሮም ሆቴል ኮንሰልቲንግ ንዲኤን ገሊጹ’ሎ። “ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2019፡ ብክሮና ክዕቀን ከሎ፡ ኣብ ሽወደን ዋጋ ክፍልታት ሆቴላት ካብ ኖርወይ ዝለዓለ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ግን፡ ዋጋ ክፍልታት ኖርወይ ካብቲ ናይ ሽወደን ኣዝዩ ዝለዓለ ኮይኑ’ሎ።