ብኲባንያ ኖርዝቮልት ብግዝያዊ ውዕል ተቖጺሮም ናብ ሽወደን ዝመጹ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ብሰንኪ ምቁራጽ ናይቲ ኩባንያ
ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስራሕ ከምዝተባረሩ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ወከልቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት እቶም
ሰራሕተኛታት እተታሕዙሉ ኣገባብ ከም ዘተሓሳሰቦም ገሊጾም ኣለዉ።
“ኣብዚ ዓዲ ኣብ መጻኢኦም ወፍሪ ንምግባር ብምባል ኣብ ዓዶም ህይወቶም ራሕሪሖም እዮም መጺኦም ። ኖርዝቮልት ነዞም
ሰባት ብኸመይ ክከናኸንዎም ይደልዩ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክህቡሉ እንተዝርኢ ደስ ይብለኒ” ክትብል ተወካሊት ናይቲ ከባቢ ኣብ
ስከለፍተዮ ዝርከብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣይ ኤፍ ሜታል ሌና ሉንድግረን ኣተሓሳሲባ’ላ።
ብኻልእ ዜና ኣብ ጒዳያት ናይታ ዝጠሓለት መርከብ ኤምኤስ ኢስቶንያ ምኽንያ ትመጥሓሊኣ ብዝምልከት ብሰብመዚ ኤስቶንያ
ሓድሽ ኣንፈታት ከምዝተረኸበ ይሕበር ኣሎ፡፡ ሰብመዚ ኤስቶንያ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣትሒዞም ሓድሽ ናይ ትሕቲ ማይ ካሜራ
ምድላይ ከምዝጀመሩን ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢሩ። በዓል መዚ መርማሪ ሓደጋታት ሽወደን ኣብቲ ስራሕ ክሳተፍ ዕድመ ቀሪቡሉ
እኳ እንተነበረ፡ ነቲ ሕቶ ከም ዝነጸጎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ
“ካብ ክፋል ናይቲ ኣፍ መርከብ መኸለሊ ዝመስል ሓጺን ረኺብና’ለና” ትብል ኣብ ቤት ጽሕፈት መርመራ ድሕነት ኢስቶንያ
መርማሪት ታውሪ ሩሲፑ—ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ