እቲ ን 31 ነሓሰ ዝካየድ መርዓ ልእልቲ ማርታ ሉዊስን ዱረክ ቨሬትን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈነወ ዜና ጽላሎት ከም ዘንበረሉ ይግለጽ ኣሎ፡፡ ልእልቲ ወራሲት ዓራት ተ-ማሪት ቅድሚ ምስ ልኡል ወራሲ ዓራት ሃኮን ምርኻባ ኣቐዲሙ ብዝፈጸሞ ዝምድና ዝተረኽበ ውላዱ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ብጎነጽን ዕንወትን ምኽሳሱ ኣብቲ ስድራቤት ቅልውላው ኣስዒቡ’ሎ። እቲ መንእሰይ ክሳብ ሕጂ ንሕቶ ፖሊስ ኣይቀረበን፡፡ እንተኾነ ግን ወዲ 27 ዓመት ማሪዩስ ቦርግ ሆይቢ ብመንገዲ ፈነወ መንግስቲ ኤን.ኣር.ኬ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ።
ኣብኡ ድማ ንሓንቲ ኣፍቃሪቱ ምዃና ዝገለጻ መንእሰይ ከም ዘጥቅዓን ኣብቲ ኣብ ሃብታም ኣውራጃ ፍሮግነር ኦስሎ ዝርከብ ኣፓርታማኣ ኣብ ንግሆ 4 ነሓሰ ከም ቤታ ምቅጻሉን ተኣሚኑ’ሎ። እቲ ጎነጽ ዝመልኦ ፍጻመ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ኣልኮላዊ መስተን ዕጸፋርስ ኮኮይንን ኮይኑ ምፍጻሙ’ውን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ጠበቓኡ ኦይስተይን ብራትሊን ናብ ኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ብገበናዊ ክሲ ገበነኛ ምዃኑ ብወግዒ ኣይገለጸን፡፡ ምኽንያቱ ብፖሊስ ሕቶታት ኣይተገብረሉን ኣሎ” ኢሉ’ሎ።
ብኻልእ ዜና ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ ኤስፐን ባርት ኢደ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንኖርወጅያን ብሮድካስቲንግ (ኤን.ኣር.ኬ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣህጒራዊ መጋባእያ ገበን–ICC–ኣንጻር መንግስቲ እስራኤልን መራሕቲ ፍልስጤማውያን ሓማስን ዝቐርብ ጉዳይ ክሕዝ ይኽእል’ዩ ዝብል ርእይቶ ኖርወይ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ካልኦት ሓያሎ ሃገራት፡ እስራኤል ኣባል ናይቲ ቤት ፍርዲ ስለዘይኮነት፡ ICC ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ እስራኤል ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክሰድድ ተኽእሎ የብሉን ክብላ እየን ዝገልጻ። ኖርወይ ናይቲ ቤት ፍርዲ ጒዳይ ፍርዳዊ ገምጋም ምሃብ እዩ በሃሊት እያ። ሓደ ዓቃቢ ሕጊ ICC ኣብ ወርሒ ግንቦት ክልቲኦም ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንትን ኣብ ጋዛ ብዝተፈጸመ ገበናዊ ግህሰት ተሓተትቲ ክኾኑ ከምዘለዎም ገሊጹ ነይሩ። እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኢራን ድሒሩ ዝተቐትለ እስማዒል ሃኒየ ሓዊሱ ሰለስተ መራሕቲ ሓማስ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክወሃቦም’ውን ሓቲቱ’ሎ። ICC ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ እንተድኣ ኣውጺኡ፡ እቶም ሰባት ካብተን ኣባል እቲ ቤት ፍርዲ ዝኾና 24 ሃገራት፡ እንተላይ ናብ ኖርወይ እንተበጺሖም ክእሰሩ ይኽእሉ እዮም።
ኣይደ ሕጂ’ውን እቲ ኣጋጣሚ እንተተላዒሉ ኖርወይ ትእዛዝ ማእሰርቲ ICC ክትፍጽም ቅኑዕ’ዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ’ሎ። ኖርወይ ንመንግስቲ ፍልስጤም ኣፍልጦ ብምሃባን ኣብ ልዕሊ ጋዛ እትፍጽሞ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ብምንቃፋን እተቖጥዐት እስራኤል፡ ኖርወይ ናብ ICC ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ንዝምድናአን ናይ መወዳእታ ምብታኽ ከመልክት ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሰብመዚ እስራኤል ንኖርወይ “ጸረ-ሴማዊ” ብምባልን ዲፕሎማስያዊ ደረጃ ናይቶም ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ብእስራኤል ተታሒዙ ዝጸንሐ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም ዓስኪሮም ዝነበሩ ወከልቲ ኖርወይ ብምስርዝን ምላሽ ምሃቦም ዝፍለለጥ እዩ።